ኣብ ኬንያ ተራእዩ ዝተብሃለ "እየሱስ ክርስቶስ"
ምንጪ ስእሊ, Syńbâd Twitter
ኣብዚ ቕነ፡ ምስሊ ጽሑፍን ስእልን ዘሰነዮ፡ ብልምዲ እየሱሰ ክርስቶስ ዝተመሰለ ሓደ ውልቀሰብ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዘውር ኣሎ።
መን'ዩ? እንታይ'ከ ይገብር?
ነዚ ዝምልከት፡ ኣብ ትዊተር ሰባት ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ግዜ ዝተቐባበሉዎ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፖለቲከኛ ጁሊየስ ማሌማ ዝጸሓፎ፡ "ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፓስተር ናብቲ ዝሰብኸሉ ቤተክርስትያን ንእየሱስ ክርስቶስ ካብ መንግስተ ሰማያት ዓዲሙ ከም ዝምህር ገይሩ" ዝብል ጽሑፍ፡ ፍሉጣት ሰባት ከይተረፉ ተኻፊሎምዎ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post, 1
ይኹን'ምበር፡ እቶም ምስልታት፡ ካብ ናይሮቢ 25 ኪሎ ሜትሮ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ኪሴሪያ ተባሂላ ካብ እትጽዋዕ ከተማ ኬንያ ዝተወስዱ ምኻኖም ይዝረብ።
እቲ ዘዘራርብ ዘሎ ውልቀሰብ ሰብ ድማ፡ ማይክል ጆብ ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ሰባኽን ተዋሳእን ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉባኤ ኣብያተ ክርስትያናት ዘረባ ከስምዕ ዕድመ ይግበረሉ።
ንነብሱ፡ "ህያው ቤተመዘክር ቅዱስ መጽሓፍ" ኢሉ ዝጽውዕ ኣብ ኦርላንዶ ፍሎሪዳ ዝነብር ማይክል ጆብ፡ እየሱስ ክርስቶስ ኮይኑ 'ዘ ሆሊላንድ ኤክስፒሪያንስ' ኣብ ዝብል ፊልሚ ተዋሲኡ'ዩ።
እዚ ውልቀሰብ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ምስሊ፡ ኣብ ኬንያ ዘለው ናይ ሕርሻ ቦታ፡ መንበሪ ገዛን ዶኳኩንን ይርኣዩ፡ እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝኾነ ኣብ ዝገልጹ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ጽሑፋት ድማ ተመሳሳሊ ነገር ይርአይ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post, 2
እዚ ምስሊ ተጠቒሙ ኣብ ዝተዘርግሐ ሓደ ጽሑፍ ድማ፡ "ኬንያዊ ፓስተር እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጎደናታት ኬንያ ረኺበዮ ኢሉ" ይብል።
እዚ ኣብ ትዊተር ዝዘውር ዘሎ ስእሊ ድማ፡ ማይክል ጆብ ዝሓለፈ ሰሙን ጊተንጋላ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤተ ክርስትያን እናሰበኸ ዝተሳእሎ'ዩ።
ኣብ ኬንያ ኣብ ዝነበረ ሓደ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ኣብ ዝተቐርጸ ምስሊ ድማ፡ እዚ ኣሜሪካዊ ተኣምርን ፈውስን ከም ዝፍጽም እናተዛረበ ይርአይ። በዚ፡ ብዙሕ ነቐፌታ በጺሑዎ'ዩ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available