እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈላማይ ምቕያር ልቢ ወድሰብ
ደቡብ ኣፍሪቃዊት ዶክተር ክሪስቲያን ባርናንድ፡ ብ1967 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ኣብ ዓለም እቲ ፈላማይ መጥባሕቲ ምቕያር ልቢ ኣካይዱ።፡ እቲ ልቢ ዝተተከአሉ ሰብ ን18 መዓልታት ጥራሕ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት፡ ምቕያር ልቢ ብምክያድ፡ እነተነኣሰ ንሓሙሽተ ዓመታት ይነብሩ።