እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኒጀር፡ ወሊድ ንምቁፅፃር ኣብ ዝዓለመ ቤት ትምህርቲ ኣሰብኡት እናተውሃቦም እዩ።
ኣብ ሳህራ ኣፍሪካ እትርከብ ኒጀር፡ ብመጠን ወሊድ ኣብ ዓለምና ቅድሚት ትስራዕ። ሓንቲ ኣደ ብማእኸላይ ገምጋም ልዕሊ ሸውዓተ ቆልዑ ኣለውዋ። ኣካል'ቲ መጠን ወሊድ ንምቁፅፃር ዝተሓንፀፀ መደብ ቤት ትምህርቲ ሰብኡት ተኸፊቱ ይርከብ።