ብቕዓት ኣእምሮና እስከ ንፈትን - ግድል ቁ-6
እሞ ንሎሚ ዝተዳለወ ፀዋታ ክትፈትንዎ'ዶ?
ተራ ሕቶ እዩ፡ ነዊሕ ግዜ'ዶ ይሓተኩም ይኸውን?
ሰናይ ዕድል!
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግድል ቁጽሪ 6
ኣብ ሓደ ልኡኽ ኢኹም ዘለኹም ንበል። ንደቡባዊ ኣንፈት 5 ኪ.ሜ፥ ንምዕራብ 5 ኪ.ሜ፥ ንሰሜን 5 ኪ.ሜ ተጓዒዝኩም ኣለኹም። ኣብ መወዳእታ ግና ንዓርስኹም ኣብታ ጉዕዞ ዝፈለምኩምሉ ቦታ ረኺብኩምዋ።
ኣብ ጉዕዞኹም ሓደ ድቢ ርኢኹም። ሕብሪ እቲ ድቢ እንታይ ዓይነት ነይሩ? ንክትምልሱ ኣብዚ ጠውቑ
መልሲ፡ ኣብ ታሕቲ ኣለኩም ረአይዎ
መልሲ
እቲ ድቢ ፃዕዳ ሕብሪ ነይርዎ።
ኣብዛ ምድሪ ናብ ደቡብ 5 ከ.ሜ፥ ናብ ምዕራብ 5 ኪ.ሜ፥ ናብ ሰሜን ድማ 5 ኪ.ሜ ተጓዒዝካ፡ ናብ ዝነበርካሉ ቦታ እትምለሰሉ ቦታ ሰሜናዊ ዋልታ ምድሪ ጥራሕ'ዩ።
ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ምድሪ ዝርከብ ድቢ ድማ ፃዕዳ ሕብሪ እዩ ዘለዎ።
እዚ ግደል ካብ መእተዊ ፈተና 'ኤጀንሲ ስፔክትረም ሰክሬት' ዝተወሰደ እንትኸውን፤ ብላውረን ካብ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ህፃናት እዩ ተረኺቡ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available
{{rankTranslation}}