መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ከምዝተኸፍተ ኢራን ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዓባስ ኣራግቺ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ማሕንቖ ቀረብ ነዳዲ ኮይኑ ዝቐነየ መጻብቦ 'ምሉእ ብምሉእ ተኸፊቱ ኣሎ" ክብል ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ዝርከብዎም መራሕቲ ዓለም ሓጎሶም ይግልጹ ኣለዉ።
እንተኾነ ግን፡ ትራምፕ'ውን ኣመሪካ ዝኣወጀቶ ዕጽዋ ናይቲ መጻብቦ ክቕጽል ምዃኑ ምግላጹ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትይዎ ይርከብ።
ኣብ ፈረንሳ ክዘራረቡ ዝወዓሉ መራሕቲ ኣውሮጳ ብወገኖም፡ ነቲ ሓድሽ ዜና ብምንኣድ፡ እቲ መጻብቦ ብዘይ ገደብን ክፍሊት ንሓዋሩ ክኽፈት ጸዊዖም ኣለዉ።
ትካላት መጓዓዝያ ባሕሪ'ውን መግለጺ ቴህራን ኣብ ግብሪ ክሳብ ዝርአ ምጽባይ ከምዘድሊ የጠንቅቑ ኣለዉ።
























