ኤርትራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትሓድ ካብን ናብን ኣስመራ ሓድሽ መስመር በረራ ከፊቱ
ምንጪ ስእሊ, SM
መንገዲ ኣየር ኢትሓድ፡ መስመራት ኣቭየሽን ኣፍሪቃ ዳግማይ ንምሕዳስን ንምስፋሕን ኣብ ዝሓንጸጾ ስትራተጅያዊ ውጥን፡ ንኣስመራ፡ ካብ 7 ሕዳር 2026 ጀሚሩ ቀጥታዊ በረራታት ከም ዝጅምር ብወግዒ ኣፍሊጡ።
እዚ ውሳነ ናይቲ ግዙፍ መንገዲ ኣየር ንኤርትራ፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ድሩት ኣህጉራዊ በረራታት ትጻገም ኣብ ዘላትሉ ወሳኒ እዋን ይመጽእ ብምህላዉ መስተርሆት ዝህብ ክኸውን ይግመት።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣስመራ ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት በረራ ምቍራጹ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ገያሾ ጸቕጢ ፈጢሩ ጸኒሑ እዩ።
ብመሰረት'ቲ ዝተዘርግሐ ወግዓዊ ሓበሬታ፡ ነታ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ዝሰፈረት ብዘመናዊን ኣርት ዲኮ ስነ-ህንጻንኣ እትፍለጥ ከተማ፡ ካብ ኣቡዳቢ ኣርባዕተ ግዜ ሰሙናዊ በረራታት ምትእትታው ዓቢይ ዝላን ኵሉ ሸነኻዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎን ይግለጽ።
እዚ ውሳነ መንገዲ ኣየር ኢትሓድ፡ ነታ ንነዊሕ እዋን ምስ ውሱናት ዓለምለኻዊ በረራታት ዝጸንሐት ሃገር ስትራተጅያዊ መኽፈትን ድልድልን መገሻታት ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ እስያን ክንዮኡን ዝፈጥር እዩ።
እዚ ብ17 ሚያዝያ ዝተዘርግሐ ወግዓዊ ምልክታ ኣካል ናይቲ መንገዲ ኣየር ኢትሓድ ኣብ መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዘሎ ሰፊሕን ዓቢ ዕላማ ዘለዎን መደባት ምስፍሕፋሕ በረራት ምዃኑ የነጽር።
እቲ መንገዲ ኣየር ጐድኒ ጐድኒ ድሕሪ ኣስመራ ቀጺሉ፡ ናብ ኣክራ (ጋና)፡ ሌጎስ (ናይጀርያ)፡ ኪንሻሳን ሉቡምባሺን (ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ)፡ ከምኡ'ውን ሃራረ (ዚምባብወ) ኣገልግሎት ይጅምር ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እዚ ምስፍሕፋሕ በረራታት ኢትሓድ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገልጸ "ዕብየት ቻይና" ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ጻዕቂ በረራታት ምህላው ምስ ምብራቓዊ መንገዲ ቻይና ዝዓሞቐ ሽርክነትን ዝተመርኮሰ እዩ።
እዚ ምዕባለታት ንኣቡዳቢ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃ በቲ ሓደ ገጽ ህንዲን እስያን ድማ በቲ ካልእ ኣብ ቀንዲ ኣፍደገ ብምቕማጥ፤ ኣብ መንጎ እተን ብቕልጡፍ ዝዓብያ ዘለዋ ዞባታት ዓለም ዝያዳ ስሉጥ ምንቅስቓስ ኣቑሑት፡ ወፍርን ሰባትን ዘኽእል ምዃኑ፡ እቲ መንገዲ ኣየር የመልክት።
ብተወሳኺ፡ እዚ መደብ ምስቲ ኣብ መንጎ ኢማራት ዓረብን ኣፍሪቃን እናዓበየ ዝኸይድ ቍጠባዊ ዝምድናታት ዝሰማማዕ ኰይኑ፡ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ትሕተ ቅርጺ፡ ዕደናን ሎጂስቲክስን ሓዊሱ ንግዳዊ ወፍርን ሽርክነት እናደንፍዐ ይኸይድ ብምህላው እዩ።
ጐድኒ ጐድኒ'ዚ፡ እዚ መደብ ምስፋሕ በረራታት ነቲ ኢትሓድ ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝሰርሖ ስትራተጅያዊ ሓባራዊ ስራሕ'ውን ዝምልእ ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘሎ ምትእስሳር ዝያዳ ዘጠናኽር፡ ምዃኑ መንገዲ ኣየር ኢትሓድ ኣብቲ ንሓድሽ መደቡ ኣመልኪቱ ዝዘርግሖ ምልክታ ኣፍሊጡ።
ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኢትሓድ ኣንቶኖኣልዶ ኔቨስ፡ ናብዞም ዕዳጋታት ምስፋሕ ማለት፡ ነቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ'ቲ ቀረብ ንሂሩ ዘሎ ጠለብ በረራት ኣብ ግምት ዘእተወ፡ "መዋቕራዊ ዕድል" ግብረመልሲ ንምሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ምዕባለ በረራታት ወሽመጥ ዓረብ፡ ነታ ኣብ ጽላት ኣቭየሽን ብዙሕ ግዜ ብውሱን ዓቕሚ ክትንቀሳቐስ ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ተጓዓዝትን ሎጂስቲክስ ጽዕነትን ኣብ ምቅላል ዓቢይ ግደ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይግመት።
እዚ ሓድሽ መስመር፡ ብፍላይ ነቲ ብብዝሒ ካብን ናብ ኤርትራ ዱባይ ዝግበር በረራታት ንኣሽቱ ነጋዶን ተጓዓዝትን መሰረታዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብሓንቲ ደውታ ጥራይ ናብ ሰፊሕ መርበብ በረራት እቲ ግዙፍ መንገዲ ኣየር ኢትሓድ ክኣትዉ ዘኽእሎም እዩ።
እዚ ድማ ናብ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ናብ እስያ - ብፍላይ ቻይናን ህንዲን - ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ካናዳን ዝያዳ ስሉጥ ምንቅስቓስ ገያሾ፡ ንግዲን ወፍሪን ዘመቻችእ ክኸውን እዩ።
ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጽላት ኣቭየሽን እቲ ዞባ ዘጋጠመ ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምጅማር ሓድሽ መስመራት ካብን ናብን ኤርትራ - ረብሓኡ ነቶም፡ ብስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ሕክምናን ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ጉዳያትን ካልእን ዝገሹ ተራ ዜጋታት ረብሓኡ ዕዙዝ እዩ።
ቀዳመይቲ በረራ ነፋሪት ኢትሓድ ብ7 ሕዳር 2026 ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ክትዓልብ መደብ ተታሒዙ'ሎ።
ነዚ ዝምልከት ግን ዛጊት ብወገን ኤርትራ ዝተባህለ ነገር የሎን።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available