ኮሎነል ደመቀ ዘውዱ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች 'ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ን 'ወገንተኛ'ን ክብል ነጺጉ

ምንጪ ስእሊ, Wolkayt Tegedie Setit Humera Zone
ድሕሪ ኲናት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ናይ ዝተመስረተ 'ዞባ ወልቃይት ጸገዴ ሰቲት ሑመራ' ምክትል ኣመሓዳሪ ኮሎነል ደመቀ ዘውዱ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ "ኣድሉዎ ዘለዎ ኣሰራርሓ" ተዘርጊሑ ንዝበሃል ወቐሳ ነጺጉ።
ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ብረቡዕ 14 ምያዝያ 2026 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ዝከራኸሩሉ ከባቢታት ዝርከቡ ተጋሩ፡ "ወረቐት መንነት ንኸይረኽቡ"ን "ብዘይ ፍቓድ ንኸይጓዓዙ"ን "ኣድሉዎ ዘለዎ ኣሰራርሓ" ተዘርጊሑ ክብል ከሲሱ።
ምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ወልቃይት ጸገዴ ሰቲት ሑመራ ኮሎነል ደመቀ ዘውዱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ጻንሒት፡ ነቲ ጸብጻብ "ካብ ሓቂ ዝረሓቐ"ን "ወገንተኛ"ን ብምባል ነጺጉዎ።
እቲ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኮሎነል ደመቀ ማዕቀብ ክንበር ምሕታቱ ብዝምልከት ክመልስ ከሎ ድማ፡ "ኣነ ገበነኛ ኣይኰንኩን፡" ኢሉ።
"ኣብዚ ምሕደራ ወልቃይት ጸገዴ ሰቲት ሑመራ፡ ሰባት ብመንነቶም ዝግፍዑሉ ኣሰራርሓ የብልናን፡" ዝበለ ኮሎነል ደመቀ፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ቅድሚ ሕጂ'ውን፡ "ንዓና ክውንጅል ፈቲኑ ከም ዝነበረ፡" ንፈልጥ ኢና ክብል ንቢቢሲ ምላሹ ሂቡ።
እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፡ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን እጀታይ እዩ ኣብ ዝብሉዎም ከባቢታት ይፍጸሙ እዮም ዝበሎም ግህሰታት ጸብጻብ ዘዳለወ፡ ኣብቲ ቦታ ምስ ዝርከቡን ቅድሚ ኣዋርሕ ካብቲ ከባቢ ምስ ዝተሰደዱን 40 ነበርቲ ብምዝርራብ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ "ኣማኢት ኣእላፍ" ነበርቲ ካብዞም ከባቢታት እዚኦም "ብግዴታ" ከም ዝተመዛበሉ ዘዘኻኸረ እቲ መግለጺ፡ ትግራዎት ሕጂ እውን ብሰበስልጣንን ሓይልታት ጸጥታን ግህሰት ይፍጸሞም ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ኮሎነል ደመቀ ብወገኑ፡ "ኣብዚ ከምቲ ንሱ ዝበሎ ኣይኰነን ዘሎ። ከም ዝዀነ ሰብ ወረቐት መንነትን 'ፋይዳ'ን ከውጽኡ ፈቒድና ኢና። ካብዚ ወጻኢ 'ፋይዳ' ኣይተዋሃበናን ኢሉ ናባና ዝመጽአ ጥርዓን የሎን፡" ኢሉ።
ኮሎነል ደመቀ ነቲ ኣብቲ ጸብጻብ ዝቐረበ ሓበሬታ፡ "ህወሓት ዝሃቦም ጸብጻብን ስም እቲ ከባቢ ንምጽላምን፡ ኣብ ገጽ ዓለምለኻዊ መድረኽ ምስሎም ንምድዋን ዝሰርሕዎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ እዩ ኣይብልን፡" ክብል ነቒፉዎ።
ኣብቲ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች "ናይ ሓደ ወገን ደጋፊ" ዝመስል ትሕዝቶ ብምቕራቡ "ምሕዛኑ" እውን ገሊጹ።
ብዛዕባ እቲ ይበጽሕ ኣሎ ዝተባህለ ኣድሉዎ ብቢቢሲ ዝተሓተተ ኮሎነል ደመቀ፡ "ተወለድቲ ትግራይ ብምዃኖም ጥራይ ዘገለልናዮም ነገር የሎን፡" ክብል ነጺጉ።
ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ተጋሩ ከም ዝዀነ ሰብ ኣገልግሎት ይረኽቡ ከም ዘለዉ'ውን ዘርዚሩ።
እቲ ጸብጻብ ነቲ ሕጂ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኵነታት ኣየንጸባርቕን ዝበለ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ሂውማን ራይትስ ዎች ኣብቲ ጉዳይ ንዓኡ ይዅን ምሕደራኡ ከም ዘየዘራረቦም ገሊጹ።
"እቶም ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣዘራሪበዮም ዝበሎም ነበርቲ፡ ሓቅነቶም ክረጋገጽ ኣለዎ፡" ዝበለ ኮሎነል ደመቀ፡ ተጋሩ ኣብ ትካላት መንግስቲ ከም ዝዀነ ነባሪ ኣገልግሎት ከም ዝረኽቡን ብሰላም ክንቀሳቀሱ ይግበር ከም ዘሎን ገሊጹ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ሰነ 2023 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸሙ "ስቓይ"፡ "ማእሰርቲ" ከምኡ'ውን "ገደብ ምንቅስቓስ" ሓዊሱ "መንነት መሰረት ዝገበሩ ገበናት" ንኽፍጸሙ ኣዚዙ ወይ መሪሑ ብምባል ንኮሎነል ደመቀ ብስም ጠቒሱዎ ኣሎ።
ካልእ ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እውን፡ ኣብቲ ከባቢ ምጽጻይ ዓሌትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ተፈጺሙ ኣብ ዝበለሉ ጸብጻብ ምያዝያ 2023 ብስም ጠቒሱዎ እዩ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ድማ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ናብ ዝዀኑ ኣካላት ከም "ኮሎነል ደመቀ ዘውዱ" ዝኣመሰሉ መራሕቲ "ዒላማ ዝገበረ ማዕቀብ" ንኸንብሩ ሓቲቱ።
ኮሎነል ደመቀ ነዚ ምላሽ ክህብ ከሎ፡ "[ስሒቁ]... እዚኦም ካብ ተጋሩ ወጻኢ እዮም ኣይብልን፤ እዚኦም ህወሓት ትማሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዘቐመጦም፡ ብስም ሂዩማን ራይትስ ዎች ነቲ ትካል ተጠቒሞም ናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ ድሌት ንምትግባር እንተ ዘይኰይኑ፡ ንዓይ ዝምልከት እዩ ኢለ ኣይሓስብን፡" ኢሉ።
እቲ ምሕደራ "ሻራ ዘይብሉ" (ገለልተኛ) ኣካል ኣብቲ ከባቢ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰታት ከጻሪ እንተ መጺኡ ፍቓደኛ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ሻራ ዘይብሎም መራኸቢ ብዙሓንን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወልቃይት እውን ዝበጽሐ ግፍዒ ዝምርምሩ እንተ ኰይኖም፡ ምሕደራኦም ማዕጾኡ ክፉት ምዃኑ፡" ተዛሪቡ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ካብቲ ከባቢ ተመዛቢሎም ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ፡ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ዞባ ወልቃይት ጸገዴ ሰቲት ሑመራ ድሕሪ ምዃኑ ክንደይ ዝዀኑ ተመሊሶም ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ኮሎነል ደመቀ፡ "ካብ 10,000 ንላዕሊ ኣብዚ ኣሎ። ባዕሉ ኣይከይድን ኢሉ ዝተረፈ ኣሎ፣ ሰንቢዱ ዝወጽአ'ሞ ደሓር ዝተመልሰ'ውን ኣሎ። ኢትዮጵያዊ እየ ክሳብ ዝበለ ድማ ናይ ምንባር መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡" ኢሉ።
ዞባ ወልቃይት ጸገዴ ሰቲት ሑመራ፡ ቅድሚ እቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብኽልል ትግራይ ይመሓደር ከም ዝነበረ ይዝከር።
ድሕሪ ኲናት ግን ብኽልል ኣምሓራ ኣብ ዝተመስረተ መዋቕር ዞባ ይመሓደር ኣሎ። ካብቲ ኲናት ጀሚሩ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ናብ መንበሪኦም ኣይተመልሱን።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


