ትግራይ፡ ኮምሽን ስግኣት ሓደጋ ካብ መንግስቲ ፈደራል ዝፀወዖ ሓገዝ

ይኣክል ዝብል ጭርሖ ዝሓዙ ሰባት ኣብ ሰልፊ ታቐውሞ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ዝተጸገሙ ኣባላት ማሕበረሰብ ናይ መግቢን ካልኦት ሓለኽቲ ናውትን ደገፍ ክገብር ንፈደራል ኮምሽን ስግኣት ሓደጋ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ኮምሽን፡ ብ10 መጋቢት 2018 ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ሰባት መዓልታዊ ሓገዝ ከምዝጠልቡ ይጠቅስ።

ካብዚኦም ተመዛበልቲ፡ ተመለስቲ ተመዛበልቲ፡ ተጠቐምቲ ሴፍትነት ዝርከብዎም ኰይኖም፡ ብሰንኪ ሰብ-ሰርሖን ናይ ተፈጥሮን ሓደጋታት ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ እቲ ደብዳበ ይጠቅስ።

ካብ 7 ክሳብ 9 ሚእቲ ሽሕ ዝኸውን ጽጉም ካብ መሻርኽቲ ኣካላት (CRS-JEOP) ወርሓዊ ሓገዝ ይረክብ'ኳ እንተሃለወ፡ እቲ ዝተረፈ ኣካል ማሕበረሰብ ግን ብሕጽረት ረድኤት ዝዀነ ይዅን ሓገዝ ይረክብ ከም ዘየለ እቲ ኮምሽን ዝጸሓፎ ደብዳበ የመልክት።

ብተወሳኺ ኣብ ዞባታት ደቡብ፡ ደቡብ ምብራቕ፡ ማእከላይን ሰሜን ምዕራብን ምምዝባል ደው ከም ዘይበለን፡ "መደብ ሴፍትነት ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ደው ክብል" ስለዝተገብረን ኣዝዩ ልዑል ቍጽሪ ዘለዎ ማሕበረሰብ ኣብ "ኣፃጋሚ ኵነታት ከም ዝርከብ ክነፍልጥ ንፈቱ" ይብል።

እቲ ደብዳበ ወሲኹ፡ መንግስቲ'ቲ ክልል፡ "ኣሽንኳይ'ዶ ንዝተጸገሙ ወገናት ሓገዝ ምቕራብ፡ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ መሃያ ምኽፋል ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ" ብምብጽሑ እቲ ጸገም ከቢድ ከም ዝገበሮ ይሕብር።

ኣብቲ ክልል ፀገም ቀረብ ገንዘብ (Cash Liquidity Problem) ስለዘሎ፡ መሻርኽቲ ትካላት ዘቕርብዎ ሓገዝ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነከየ ይኽየድ ከምዘሎ እውን ይገልጽ።

እቲ ዝርከብ ሓገዝ እውን እንተዀነ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ፡ ብእዋኑ ናብ ተጠቀምቲ ይበጽሕ ብዘይምህላዉ፡ እቲ ጸገም ዝተሓላለኸ ክኸውን ምኽንያት ኰይኑ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ስለዝዀነ ድማ "ፈደራል ኮምሽን ስግኣት ሓደጋ ኣብ ክልልና ዘሎ ዝተሓላለኸ ጸገምን ህይወት ወገናት ናብ ሓደጋ ዘእቱን ኵነታት ብዝግባእ ተረዲኡ፡ ሕጂ'ውን ንወገናትና ዝኸውን ናይ መግብን ካልኦት ሓለኽቲ ነገራትን ክሕግዘና" ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ፡ ኮምሽን ስግኣት ሓደጋ ክልል ትግራይ።

ነበርቲ'ቲ ክልል፡ እቲ ካብ መወዳእታ 2020 ክሳብ 2022 ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ ደው ንምባል ድሕሪ ዝተበጽሐ ዘላቒ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ስዒቡ፡ ማሕበረ-ቍጠባዊ ምንቅስቓስ እቲ ክልል ናብ ንቡር ክምለስ ልዑል ሃንቀውታ ነይሩዎም።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎት ማይ፡ መብራህትን ቴሌኮምን ናብ ስሩዕ ኣገልግሎት'ኳ እንተ ተመልሱ፡ እቲ ኲናት ዘብረሶ ቍጠባዊ ምንቅስቓስ ኰነ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ዝምድናታት መሪሕነት እቲ ክልል ገና ኣይደልደለን።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ምምሕዳር ብጕድለት ባጀት፡ ተፈናቐልቲ ዝርከቡዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝጠልቡዎ ትዅረት ምውሓድ ዝኣመሰሉ ምክሳሳት ክስምዑ ጸኒሖም'ዮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ምስዚታት ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ህወሓትን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ድማ፡ ነቲ ኵነታት ሓላሊኹዎ ይርከብ።

ተመዛባሊት ኣደ ካብ ኬንዳ እናወጸት

ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት፡ ብፍላይ እቶም ካብ ምዕራብ ትግራይ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ቀዋሚ ምቍራጽ ተጻብኦታት'ውን ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣይክኣሉን።

ኣብ ሽረ፡ ዓድዋ፡ ዓቢይ-ዓዲ፡ ዓዲ-ግራትን መቐለን ኣብ ዘለዉ መዓስከራት ንዓመታት ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኵነታት ይነብሩ ከምዘለዉ ትካላት ግብረሰናይን ተሓለቕትን ይገልጹ።

ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከቡ፡ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ'ውን ብፍላይ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ዘየቋርጽ ናይ ጥርዓን ደብዳበታት ናብ ምኒስትሪ ንግድን ቍጠባን፡ በዓል መዚ ነዳድን ጸዓትን ከምኡ'ውን ንኣቕራቢ ትካል ነዳዲ ኢትዮጵያ ክጽሕፍ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ (ካብ ነሓሰ 2025 ክሳብ ጥሪ 2026) ሰለስተ ግዜ ናብ ምኒስትሪ ንግድን ቍጠባዊ ምትእስሳርን፡ በዓል መዚ ነዳድን ጸዓትን ፈደራል ከምኡ'ውን ኣቕራቢ ትካል ነደዲ ኢትዮጵያ ደብዳበታት ከም ዝጽሓፈ ቢቢሲ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።