ኢማራት ኣብ ኲናት ምጽማዳን ሑቲ ናብቲ ኲናት ምጽንባሩን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ይጸልዎ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መበል 35 መዓልቲ በጺሑ ኣሎ። ዓለም ብሕጽረት ነዳዲ ትፍተን ኣላ። ክሳዕ ሕጂ ኣስቂጦም ዝጸንሑ ዕጡቓት ሑቲ፡ ናብ እስራኤል ሚሳይላት ብምትኳስ ናብቲ ውግእ ተጸንቢሮም ኣለዉ።

ዛጊት ክልተ ሚሳይላት ጥራሕ እኳ እንተ ተተኰሱ፡ ባብ ኤል-መንደብ ከም መጻብቦ ሆርሙዝ ክዕጾ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣልዒሎም ይርከቡ።

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ምስታፎም፡ ኪንዮ የመን ዝዝርጋሕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ሰፊሕ ጽልዋ ኣለዎ።

እዚ ኣብቲ 15 ሚእታዊት መራኽብ ንግዲ ዝሓልፋሉ ወሳኒ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃዕቲ ፈንዩን ምስ ዞባዊ ሓይሊ ምትእስሳር ፈጢሩን እዩ። በዚ ድማ ኣብቲ ኣገዳሲ ንግዳዊ መስመር ዓለም ወጥሪ ክውስኽ ይገብር ኣሎ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ንኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ሶማልያን ሓዊሱ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘስዕቦ ጽልዋ ልዑል ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝግበር ጕዕዞ ባሕሪ ዝህውኾ እንተዀይኑ፡ መስመራት ንግዲ ምዝራግ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብቲ ዞባ ንዝፍጠር ናይ ጸጥታ ሓደጋታት ክውስኽን ቍጠባዊ ቅልውላዋት ከጋድድን ምዃኑ ተንተንቲ እቲ ዞባ ይገልጹ።

ሑቲ ናብዚ ኲናት ኣሐዪሎም ምስ ዝኣትዉ ንኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን እንታይ ሓደጋታት ከስዕቡ ይኽእሉ? መሓዛ ኢትዮጵያ ዝዀነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብዚ ኲናት ምእታዋ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ናብ ኲናት ከይሰጋገር ይዓግትዶ?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኢትዮጵያ ተመራማሪ ፖሊሲ ዶክተር ሙከረም ሚፍታሕ፡ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ክንዮ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ክሳዕ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝተዘርግሐ ይገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀርኒ ኣፍሪቃ በዚ ኲናት ብኸቢድ ዝጽለወሉ ብዙሕ መንገድታት ከም ዘሎ ዝገልጽ ዶክተር ሙከረም፡ እቶም ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ንመብዛሕትኡ ክፋል የመን ዝቈጻጸሩ ዕጡቓት ሑቲ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኖም የመልክት።

ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ቴህራን ምስ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ እትገብሮ ኲናት ከም ካልኣይ ምዕራፍ ውግእ ኰይኖም ከም ዝርኣዩ ይሕብር።

ኤርትራዊ ተንታኒ ማእከላይ ምብራቕ ማሕሙድ ኣቡበከር ብወገኑ፡ ሑቲ ንባብ ኤል-መንደብ እንተ ዓጽዩዎ፡ ቍጠባ ኤርትራ "ብኸቢድ" ክጽሎ'ዩ ይብል።

15 ሚእታዊት ንግዳዊ መራኽብ ዓለም ዝሓልፋሉ ባብ ኤል-መንደብ እንተ ተዓጽዩ፡ እታ ምሒር ኣብ ወደባታ እትምርኰስ ኤርትራ ብድሆ ከም ዝገጥማ ወሲኹ ይሕብር።

እቲ ተንታኒ፡ ቍጠባ ኤርትራ ድልዱል ዘይምዃኑን ብፍላይ ምስ ሩስያን ቻይናን እትገብሮ ንግዲ ብወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ምዃኑ ይገልጽ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ሑቲ ንባብ ኤል-መንደብ እንተ ዓጽዩዎ፡ ኣመሪካ ኣቓልቦኣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ከቕንዕ ከም ዝኽእል ስክፍታ ከም ዘለዎ ወሲኹ የብርህ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ "ኣዝዩ ኣብ ስግኣት ዝነብር መንግስቲ ከም ምዃኑ መጠን"፡ ዝዀነ ሓይሊ መጺኡ ኣብዚ መስመር ኲናት ከካይድ የብሉን ዝብል መርገጺ ኣለዎ።

ኢራን ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከቡ ወተሃደራውያን መዓስከራት ኣመሪካን ትሕተ-ቅርጽን መጥቃዕቲ ፈጺማ።

ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ 20 ሚእታዊት ናይ ዓለምና ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዝሓልፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻው፡ ዋጋ ነዳዲ ክብ ክብል ምኽንያት ኰይና።

ቴህራን ኣብ ዙርያ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከቡ መሻርኽታ ተጠቒማ ኣብ ልዕሊ ባብ ኤል-መንደብ መጥቃዕቲ ምፍጻም፡ ከም ካልኣይ ምዕራፍ ናይቲ ግጭት ክርአ ከም ዝኽእል ተመራማሪ ፖሊሲ ዶክተር ሙከረም ይገልጽ።

ሓያሎ ልሂቃን ፖለቲከኛታታ ዝተቐትሉዋ ኢራን ኣብ ልዕሊኣ ዝፍጸም መጥቃዕቲታት እናበርትዐ ኣብ ዝመጽኣሉ፡ ነቲ ግጭት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብምስፋሕ ጸቕጢ ትፈጥር ኣላ። እቶም ዛጊት ኣስቂጦም ዝጸንሑ ዕጡቓት ሑቲ'ውን ናብቲ ግጭት ከም እትስሕቦም ማሕሙድ ኣቡበከር ወሲኹ የብርህ።

ቀጥታዊ ተሳትፎ ሑቲ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ኣደዳ ቅልውላው ነዳዲ ካብ ዘቃልዖም ሓደ ምኽንያት እዩ።

ዶክተር ሙከረም ምስዚ ሓሳብ ብምስምምዕ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ቍጠባዊ ጽላተን ብቐይሕ ባሕሪ ኣብ ዝመጽእ ነዳዲ ዝምርኰስ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ናይዚ መስመር ስግኣት ጽልዋኡ ቀጥታዊ ምዃኑ ይገልጽ።

ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንሑቲ ትድግፍ እያ ተባሂላ ትኽሰስ ምንባራ ዘዘኻኸረ ማሕሙድ፡ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ናብ ቀይሕ ባሕሪ እንተ ተዘርጊሑ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ነተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ደሴታት ተጠቒመን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ተገዳስነት ከም ዘርእያ የብርህ።

እዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ተንታኒ፡ ኣስመራ፡ ዋሽንግተንን መሻርኽታን ነዘን ደሴታት ክጥቀማለን እንተ ዘይፈቒዳ፡ ብጸጥታ ጥራሕ ዘይኰነ ብጅኦፖለቲካዊ መዳይ'ውን ክትጕዳእ ከም እትኽእል ይሕብር።

ሑቲ ኣብ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ብቐጥታ ምስታፉ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ንመጥቃዕቲ ኣመሪካ ንምምካት ምስቲ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ ኣልሸባብ ምትሕብባር ክፈጥር ከም ዝኽእል እቲ ተመራማሪ ፖሊሲ የረድእ።

እዞም ክልተ ኣካላት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንተ ተሓባቢሮም፡ ንረብሓታት ናይታ መሓዛ ኣመሪካን እስራኤልን ዝዀነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከጥቅዑ ከም ዝኽእሉ እውን ይጠቅስ።

ከም ብዓል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓያል ጽልዋ ስለ ዘለወን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መፍትሒ እንተ ዘይረኺቡ፡ ሑቲ ወይ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ረብሓታት ኢማራት መጥቃዕቲ ከካይዱ ከም ዝኽእሉ ስክፍታኡ ይገልጽ።

ዶክተር ሙካረም፡ ኢራን ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ንዝተሓባበራ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ትሕተ-ቕርጸንን ብማዕረ ከም ዘየጥቅዐት ይሕብር።

ኢራን ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ሚሳይልን ድሮናትን ከተካይድ እንከላ፡ ኣብ ሃገራት ኩዌት፡ ቀጠር፡ ዖማንን ስዑዲ ዓረብን ግን ብዙሕ መጥቃዕቲታት ኣይፈጸመትን።

ንሱ ወሲኹ፡ መሓዙት ኢራን ዝዀኑ ሑቲ ወይ ኣልሸባብ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርከብ ረብሓታት ኢማራት ዓረብ ካብ ምጥቃዕ ድሕር ከም ዘይብሉ ግምታቱ የስፍር።

ኣብ ወጥሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝህልዎ ጽልዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሙክረም፡ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ወጥሪ ናብ ምሉእ ኲናት ዘይምዕራጉ፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ሓይልታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ፍልልያት መበገሲኡ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ከም ዝገበሮ ይዛረብ።

"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ግጭታት ብመሰረቱ ውጽኢት ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ድዩ ዝብል ሕቶ ንኽንሓትት ዕድል ዝኸፍት ይመስለኒ፡" ይብል።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ልሂቃን፡ መራሕቲ ወይ መንግስታት ናይ ረብሓ ጐንጺ ዋላ ይሃሉ ናብ ግጭት ከም ዘይኣትዉ፡ "ብኸፊል ዋላ ይዅን ፍንጪ ዝሃበ እዩ፡" ይብል።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓያል ተገዳስነት ከም ዘለዋ፡ እቶም እትድግፎም ሓይልታት ኣብ ሱዳን ከምኡ'ውን ኣብ ሊብያ ናይ መንግስትን ስርዓትን ለውጢ ንምምጻእ ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ይጠቅስ።

ተንታኒ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ማሕሙድ ኣቡበከር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ስግኣት ኲናት ከም ዘወገደ ይኣምን።

ነዚ ሓሳብ ብኣብነት ኣብ ዘረድኣሉ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ "ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ፡" ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወጥሪ ከም ዝተኻረረ ኣዘኻኺሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ጅቡትን ሶማሊላንድን ከም ዘለዋ ስምምዓት፡ ምስ ኤርትራ'ውን ክህልዋ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ ብሰንኪ ኢድ-ኣእታውነት ኢማራት ግን ከም ዝተቐየረ ማሕሙድ ይኣምን።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ ወደባት ጅቡቲን በርበራን ክትስሕብ ድሕሪ ምግዳዳ፡ "ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምግባር ፕሮጀክት ዝሓዘት ይመስለኒ፡" ዝበለ ኣቶ መሓመድ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ብሰንኪ ኲናት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝኽእል ኲናት ክትድግፍ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ከም ዘላ ይገልጽ።

ስለዝዀነ፡ እቲ ንኣዋርሕ ሎሚዶ ጽባሕ ይጅምር ዝበሃለሉ ዝነበረ ወጥሪ ኢትዮ-ኤርትራ ናብ ደረጃ ኲናት ከይዓርግ እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምኽንያት ከም ከም ዝዀነ ይኣምን።