ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ 'መድረኽ ትግራይ' ንምንታይ'ዩ ኣካታዒ ኮይኑ?
ምንጪ ስእሊ, EBC/FB
ኣብ ኣዲስ አበባ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ፣ ኣባላት ተቓወምትን ተወከልቲ ሲቪክ ማሕበራትን ዝተሳተፍሉ፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ መድረኽ ዘተ ኣብ ምክያድ ይርከብ።
ቅድሚ ሕዚ፡ ልዕሊ 22 ቅድመ-ምድላው መድረኻት ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ከምዘካየደ ዝገልፅ እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ወረዳ ጀሚሩ ክሳብ ላዕሊ ሰፋሕቲ ምይይጣት ከምዘካየደ፡ ኣብ ትግራይ ግን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘተ ንምክያድ ዘኽእል ምቹእ ኩነታት ከምዘየለን ይገልፅ።
ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ትግራይ፡ ከከም ፖለቲካዊ ጸግዖም ዝነቕፉን ዝድግፉን ዘለዉ ኰይኖም፡ እቲ ጉዳይ ብዙሕ ከዘራርብ ቀንዩ ኣሎ።
ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ነቲ መድረኽ 'ንትግራይ ዘይውክል ናይ ሽርሒ ኣጀንዳ' ክብል ብምኹናን፡ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ መንግስታዊ ሚድያ እቲ ክልል ፀብፂበን ኣለዋ።
ቅድም ክብል ከንቲባ ከተማ መቐለን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን ዝነበረ ፡ ሕዚ ድማ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባትን ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ውድብ ስምረትን ዝዀነ ብርሃነ ገብረየሱስ፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ እዩ።
ንሱ፡ ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ፡ ማለት'ውን ካብ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሲቪክ ማሕበረሰብ፣ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ካልኦት ፍሉጣት ሰባት ከምዝተሳተፉ ዝሓበረ ዀይኑ፡ ብሐፈሻ ካብ 800 ክሳብ 1000 ተሳተፍቲ ከምዝተረኸቡ ይዛረብ።
ምስ ካልኦት መሳርሕቱ ንውድብ ስምረት ወኪሉ ይሳተፍ ከምዘሎ ዝዘራብ ብርሃነ፡ ኣብቲ መድረኽ ብዙሓት እዋናዊ ጉዳያት ከምዝተልዓሉ ገሊፁ።
ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ዝተልዓለ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ዋላ ጸገም እንተሃለወ ብዝዀነ መገዲ፡ እዚ ዓይነት ህዝባዊ ዘተ ኣብኡ ምስቲ ህዝቢ እዩ ክካየድ ዝግበኦ ዝብል ሓሳብ ካብ ብዙሓት ተሳተፍቲ ከምዝተልዓለ ተዛሪቡ።
"ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸገም እዩ ክእለ ክተዓራረ ዘለዎ 'ምበር፡ ኣብኡ ጸገም ኣሎ ኢልካ ነቲ መድረኽ ናብዚ ምስሓብ፡ ግቡእ ኣይኰነን" ብምባል ይምጉት።
ከምኡ ድማ፡ ቅደም- ሰዓብ ኣጀንዳታት ብዝምልከት፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብምልዓል ሕቶ ከምዝተልዓለ ወሲኹ።
"ህዝብና ተበቲኑ እናሃለወ፡ መሬቱ ተቘሪሱ ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ተታሒዙ፡ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ስለምንታይ ኢና ብዛዕባ ፍርቂ ትግራይ ንመያየጥ ዘለና" ዝብሉን ካልኦት ወሰንቲ ሕቶታት'ውን ቀሪቦም ነይሮም።
ብፍላይ ድማ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ዘሎ ዕፅዋ ዝመስል ኩነታት ስዒቡ፡ ምስ ነዳዲ፣ ገንዘብን በጃትን ተዛሚዱ ዘሎ ጸገም፡ ዳርጋ ኣብያተ ትመህርቲ ዝዕፀዋሉ ዘሎ ኩነታት ከምዘሎ'ውን ተዘሪቡሉ።
ብሓፂሩ መንግስቲ ፌዴራል፡ ንትግራይን ህዝቢ ትግራይ ከም ዓዱን ህዝቡን፡ ኣይርእዮን ዘሎ፡ ዝኣመሰሉ ቅረታት'ውን ከምዝተልዓሉ ወሲኹ ተዛሪቡ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ዝበዝሐ ክፋል ክልል ኣብ ትሕቲ ህወሓትን ምስኡ ዝወገኑ ሓይልታት ትግራይን ብምእታዉ፡ ጽልዋ ፌደራላዊ መንግስቲ ካብ ባጀት ምስላዕ ዘይሓልፍ ከምዘይኮነ ይንገር።
እቲ ስምምዕ ዋላ'ኳ ነቲ ኣብ መንጐኦም ዝነበረ ኲናት ደው እንተበለ፡ ምሉእ ብምሉእ ብዘይምትግባሩ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ናብ ወጥርን ምትፍናንን ተመሊሰን ይርከባ።
ኲናትን ዓፈናን ሰጊኦም ካብቲ ክልል ዝመፅኡ ማናእሰይ ኣብ ኣዲስ አበባ'ውን ኣደዳ ማእሰርተን ምግፋዕን ይዀኑ ኣለዉ ዝብል ቅሬታ'ውን ኣብቲ መድረኽ ተላዒሉ ኣሎ።
"ካብ ዓድና ናብ ዓድና ኢና ንመፅእ ዘለና፤ ተሰዲድና ኣይኰናን ንመፅእ ዘለና፤ ኣዲስ ኣበባ ዓድና እዩ፤ ስለዚ መንግስቲ ፌዴራል ነቶም ከምዚ ዓይነት ተግበራት ዝፍፅሙ ዘለዉ ኣካላት ከዕግስን ፍታሕ ክገብረሉን ኣለዎ" ዝብል'ውን ከምዝተልዓለ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ከምኡ'ውን ኣብ አታዓዳድማ ተሳተፍቲ'ውን ሓላፍ ዘላፍ ከምዝነበረ ከይተተንከፈ ኣይሓለፈን።
ኣብዚ ጉዳይ ናቱ ሓሳብ ተሓቲቱ፡ "በዓል ዋና ናይዚ ዘተ፡ ተዓዳምን ክኸውን ዝግበኦ እቲ ሓረስታይ፣ ሸቃላይ፣ ነጋዳይ ምሁርን ነባራይ ከተማን፡ ኮታስ መመላእታ ህዝቢ እዩ፤ እቲ ሕዚ ዝረእናዮ ግን ዝበዝሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበር እዩ" ብምባል'ዩ ብርሃነ ቅሬታኡ ዝገልጽ።
ምንጪ ስእሊ, EBC/fb
ብኣማኢቲ ኣሸሓት ዝቝፀሩ ተወልደቲ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝነብሩ ዝግመት እንተዀነ'ኳ፡ ንህዝቢ ትግራይ ከምዘዛረብካ ተገይሩ ክውሰድ የብሉን ብምባል ጥንቃቐ ክግበር ኣተሓሳሲቡ።
"ርግፅ እዩ፡ ኣይኰነን ነባራይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ወፃኢ ዓድታት ዘሎ ተወላዲ ትግራይ፡ እቲ ምይይጥጥ ይምልከቶ እዩ፤ እቲ ቀንዲ ማሕበራዊ መሰረት ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝጋፋዕን ዝጭቆንን ዘሎ ሓፋሽ ተመያዪጡ ፍታሕ ክረክብ ከሎ እዩ" ብምባል ነቲ ሓሳብ ዘለዎ ደገፍ ተዛሪቡ።
ከም ውድብ ስምረት ድማ ነዚ ሓሳብ ዝድግፉ ከምዝዀኑን፡ ናብ ትግራይ ከይዶም ምስ ህዝቦም ክዝትዩን ክማኸሩን ኩነታት ክመቻቾ ከምዘለዎ፡ ከምኡ'ውን ክኢሊታት [ምሁራት] ጥራይ ከይኰነስ፡ እቲ ሓፋሽ ባዕሉ ክዝትየሉን ሓሳቡ ክስማዕን ከምዝግባእ እምነቱ ገሊፁ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ነቲ ኣብ መንጐ ህወሓትን መማእከላይ መንግስትን ዘሎ ወጥሪ ስዒቡ፡ ኣብ ትግራይ ንመድረኽ ዘተ ዀነ ንሃገራዊ መረፃ ዝምቹ ኩነታት ከምዘየለ ክግለፅ ፀኒሑ እዩ።
ተቓውሞታት
ምንጪ ስእሊ, EBC/fb
ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘስፈሮ ፅሑፍ፡ "ህዝቢ ትግራይ ብውሕዱ መሰረታዊ መሰላቱ ፤ ህልውናን ድሕንነቱን፣ ልኡላውነቱን ፣ ዝተመዛበለ ናብ ዓዱ ከይተመለሰሉን ዓርሰ ምሕደራ ከይተረጋገፀን ኣብ ናይ ሽርሒ ኣጀንዳ ኣይሳተፍን" ክብል'ዩ ተቓውሞኡ ገሊጹ ዘሎ።
ብብዙሕ ጉዳያት ምስ ህወሓት ዘይሰማማዕ ውድብ ዓረና ብወገኑ፡ ትማሊ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ "ሕዚ ዘሎ ኩነታት ትግራይ ሃዋህው ኲናት ዝነገሰሉ፣ ተመዛበልቲ ዘይተመለሱሉ፣ ሕገ መንግስታዊ ምምሕዳሩ ዘይተኸበረሉን ስለዝኾነ" ንዘተ ምቹእ ሃዋህው ከምዘየለ ገሊፁ።
ስለዝኾነ ድማ እቲ ሕዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ዘሎ ኣኼባ ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይውክል ብምእማን፡ ከም ግዝኣት ሓድነትን ተመዛበልትን ምምላስ፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ማሕበራዊ ቅልውላው ምፍታሕ ቀዳምነት ክወሃቦም ይግባእ ኢሉ።
"ብሓፈሻ ውዕል ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንክኸውን ፌደራል መንግስትን ምስቲ ዝጣየሽ ሓዱሽ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዕቱብ ልዝብ ብምግባር ናብ ምኽክር ምእታው ይከኣል እዩ"
እቲ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ እዚ ህዝባዊ ዘተ፡ እቲ ኮሚሽን ናይ ትግራይ ዘተ ኣካይድና ንዝብል ፕሮፖጋንዳ ከም መሳርሒ ዶ ኣይውዕልን ብዝብል ሕቶ ዘቕረብናሉ ብርሃነ፡ ውድቦም ስምረት'ውን ተመሳሳሊ ስግኣት ከምዘለዎምን ከምዝተዘራረብሉን ገሊፁ'ሎ።
"ንሳተፍ ዶ ኣይንሰታፍ ዝብል ተዘራሪብናሉ ኢና፡ ኣብቲ መድረኽ ኣቲኻ፡ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ምዝራብን ፍታሕ ክረኽቡ ምግባርን ይሓይሽ" ብዝብል ናብዚ ውሳነ ከምዝበፅሑ ተዛሪቡ።
"እዚ ናይ መጀመርታ ሓሳብ መተኣኻኸቢ መድረኽ ገይርና ክንወስዶ ንኽእል ኢና፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ ዘትዩ ኢልካ ንዝዀነ ናብ ኣብያተ ምኽርን መንግስታዊ ኣካላትን ዝቐረብ ሪፖርትን ፀብፃብን ከይውዕል ግን ኣተሓሳሲብናዮም ኢና"።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ናብ ንቡር ምስተመልሰ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ከባቢታት ዝተገብረ በብወረድኡ መድረኻት ተፈጢሮም ክዝተየሉ ኣለዎ፡ ኢሉ።
ብዛዕባ ኣብቲ መድረኽ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝለዓል ዘሎ ተቓውሞታት ብዝምልከት ግን፡ "ካብ መድረኽ ብምህዳም ናይ ትግራይ ፀገም ኣይፍታሕን፤ ኣብ ዝተረኸቡ መድረኻት ዘለካ ንህዝቢ ዝጠቅም እትብሎ ሓሳብ ህዝብን መንግስትን ክፈልጦም ምግባር እዩ ፍታሕ ዘምፅእ፤ ጉዳይ ትግራይ ዝቕፅል 'ምበር፡ ከም ውዱእ ገይርካ ክረአ የብሉን" ኢሉ።
እቲ መጋቢት 2014 ኣ.ም ናብ ስራሕ ዝኣተወ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ሓድሽ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምፍጣር ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኣብ ዘይሻራዊነቱ ሕቶታት ክለዓሎ ፀኒሑ ኣሎ።
እቲ ብፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ዝምራሕ ኮሚሽን፡ ዛጊድ ኣብ ልዕሊ 1200 ወረዳታት እታ ሃገር ዘተ ከምዘካየደ ዝገልፅ ኰይኑ፡ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣጀንደታት ናይ ምልላይ ስራሕቲ ከምዝዛመ ሓቢሩ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available