ፎትየን ተስፋይ፡ ኣብ ማራቶን ዓለም ካልኣይ ዝቐልጠፈ ግዜ ኣመዝጊባ

ፎትየን ተስፋይ

ምንጪ ስእሊ, world Athletics

መግለጺ ስእሊ, ፎትየን ተስፋይ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኢትዮጵያዊት ጎያዪት ነዊሕ ርሕቐት ፎትየን ተስፋይ ብሰንበት ኣብ ባርሲሎና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ንውድድራ ብኽልተ ሰዓትን 10 ደቓይቕን 51 ካልኢትን ብምዝዛም ተዓዊታ።

ነቲ ዝረኸበቶ ዓወት ስዒቡ ኣብ ታሪኽ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ካልኣይ ዝቐልጠፈ ናይ ማራቶን ግዜ ከተመዝግብ ክኢላ።

ኣብ ማራቶን ባርሴሎና ንፈለማ ግዚኣ ዝተሳተፈት ጓል 28 ዓመት ፎትየን፡ ካልአይቲ ንዝወፀአት ኬንያዊት ጀፕኮስጌይ ኪፕሊሞ ብኣስታት ሸሞንተ ደቓይቕ ቀዲማታ'ያ ኣትያ።

ኢትዮጵያውያን ዘይነባ ይመር፡ ጫልቱ ጪምደሳን ያልጋነሽ ኢስካማች ከኣ ካብ ተኸታቲለን ካብ ሳልሰይቲ ክሳብ ሓሙሸይቲ ወጺአን።

ኣብ ታሪኽ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኬንያዊት ሩት ቸፕነገቲች ኣብ ማራቶት ቺካጎ 2024 ዘመዝገበቶ ናይ 2 ሰዓት፡ 9 ደቂቕን 56 ካልኢትን እቲ ክብረ ወደን ሒዙ ዘሎ ግዜ ኮይኑ፡ ፎትየን ተስፋየ፡ ነዚ ክብረ ወሰን እዚ ከተመሓይሾ ከምእትኽል'ዩ ግምት ተዋሂብዋ ነይሩ።

"ሎሚ ፍሉይ እዩ ነይሩ፡ ከምቲ ትፅቢተይ ኣይኮነን ግን ጽቡቕ'ዩ" ክትብል ምዝራባ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

"መደበይ ክብረወሰን ዓለም ምሓዝ እዩ ነይሩ፤ ግን ከቢድ ንፋስ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ⁠ውድድር ክደፍእ ኣይከኣልኩን" ኢላ።

ፎትየን በዚ ኣብ ባርሲሎና ዘመዝገበቶ ዓወት ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ማራሮን ግዜ ክብረወሰን ክትሕዝ እንከላ፡ ብደረጃ ዓለም ካልኣይቲ ኮይና ኣላ።

ፎትየን ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ሻውዓይቲ፡ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ዓለም 2025 መበል ሻሙነይቲ ድሕሪ ምውጽኣ'ያ ናብ ውድድር ማራቶት ተሰጋጊራ።

ፎትዮን ኣብዚ ናይ ትማሊ ውድድር ንቀዳሞት 10 ኪሎሜትራት ብ31 ደቂቕን 5 ካልኢትን ምስ ወድኣተን ነቲ ዝጸንሐ ክብረ ወሰን ክትስብሮ ከምእትኽእል ምሉእ ግምት'ዩ ተዋሂብዋ ነይሩ።

30 ኪሎ ሜትር ኣብ ዝበጽሓትሉ ከኣ ሓደ ሰዓትን 32 ደቂቕን ወሲድላ፡ ኣብ መወዳእታ ዝነበራ 10 ኪሎሜትራት ፍጥነታ ብመጠኑ ስለዝነከየ ግን ንናይ ማራቶን ክብረ ወሰን ካብ ምስባር ብ55 ካልኢት'ያ ቦዂራ።

ኣብቲ ትማሊ ኣብ ባርሲሎና ዝተኻየደደ ማረቶን ደቂ ተባዕትዮ፡ ዩጋንዳዊ ኣቤል ቸላንጋት ብ2 ሰዓት፡ 4 ደቂቕን 57 ካልኢትን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ ኩንያውያን ፓትሪክ ሞሲንን ጆናታን ኮሪሪን ካልኣይን ሳልሳይን ኣትዮም።

ፎትየን ዘመዝገበቶ ዝበለጸ ግዜ

ኣትሌት ፎትየን፡ ኣብ ትግራይ ኣባል ጋንታ ኣትሌቲክስ ፋብሪካ ስሚንቶ መሶቦ ኰይና'ያ ውድድራ ጀሚራ።

ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራውን ዓለማውን ውድድራት ተሳቲፋ ኣብ ዝተፈላለየ ርሕቐታት ዘመዝገበቶ ዝበለጸ ናይ ገዛእ ርእሳ ግዜ እዚ ዝስዕብ'ዩ።

ኣብ ናይ 1500 ሜትሮ ዝበለጸ ግዜኣ ብ28 ግንቦት 2014 ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር መንእሰያት ኣፍሪቃ ኮይኑ ንውድድራ ብ4 ደቂቕ፡ 23 ካልኢትን 37 ንኡስ ካልኢትን ወዲኣ ቀዳመይቲ ዝወጽኣትሉ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ናይ 3000 ሜትሮ ኣብ ኣመሪካ ከተማ ቦስቶን ብ 10 ለካቲት 2018 ካልኣይቲ ብምውጻእ ዘመዝገበቶ ናይ 4 ደቂቕ፡ 41 ካልኢትን 8 ንኡስ ካልኢትን ዝበለጸ ግዜኣ'ዩ።

ኣብ 5000 ሜትሮ ኣብ ብራስለስ ብ14 መስከረም 2024 ሳልሰይቲ ብምውጻእ ዘመዝገበቶ ናይ 14 ደቂቐ፡ 28 ካልኢትን 53 ንኡስ ካልኢትን ዝበለጸ ግዜኣ'ዩ።

ኣብ 10 ሸሕ ሜትሮ ኣብ ስፐይን ብ14 ሰነ 2024 ንውድዳር ብ29 ደቂቕ፡ 47 ካልኢትን 71 ንኡስ ካልኢትን ቀዳመይቲ ወጺኣ ዘመዝገበሮ ግዜ ዝበለጸ ግዜኣ'ዩ።

ኣብ ፍርቂ ማራቶን ከኣ ኣብ ስፐይን ብ27 ጥቅምቲ 2024 ንውድድራ ብ1 ሰዓት፡ 3 ደቂቕን 21 ካልኢትን ብምውዳእ ካልኣይቲ ዝወጽኣትሉ ዝበለጸ ግዜኣ'ዩ።

ኣብ ማራቶን ከኣ ኣብ ስፐይን ከተማ ባርሲሎና ትማሊ 15 መጋቢት 2026 ንውድድራ ብ2 ሰዓት፡ 10 ደቂቕን 51 ካልኢት ብምውዳእ ቀዳማይቲ ወጺኣ።

ኣብቲ ውድድራ ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ኣብዚ ግዜ ናይ ኢትዮጵያ ክብረ ወሰን ንኽትጭብጥ፡ ብደረጃ ዓለም ከኣ ካልኣይ ዝበልጸ ግዜ ውድድር ማራቶን ደቂ ኣንስትየ ንክትሕዝ ኣኽኢልዋ።