ብሰንኪ ምቍራፅ ባጀት ፌዴራል፡ ኣብ 'ሓደጋ ዝወደቐ' ዓውደ-ትምህርቲ ትግራይ

ኣብ 'ብላክቦርድ' ተፅሕፍ ዘላ ተምሃሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን እናሓርፈፈ ዝመፅእ ዘሎ ርክብ፡ ንኣዋርሕ ዝቐፀለ ክልከላ ባጀት ከምዘስዓበ ይግለፅ ኣሎ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብያተ ዕዮ እቲ ክልል ካብ ንጥፈታት ወፃኢ ይዀና ከምዘለዋ የፍልጣ ኣለዋ።

ኣብዚ ቕነ፡ ብፍላይ ኣብያተ ዕዮ ትምህርትን ጥዕናን ኣብ ዝዘርግሕኦ መግለፂ፡ ብሰንኪ ደውታ ባጀት መንግስቲ ፌዴራል፡ ማሕበራውን መንግስታውን ምንቅስቓሳተን ዳርጋ ተቛሪፁ ከምዘሎ ሓቢረን።

እንተዀነ ምቍራጽ ባጀት ትግራይ ብዝምልከት ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ዛጊድ ብወግዒ ዝወጸ ሓበሬታ የለን። ቢቢሲ ትግርኛ'ውን ናብ ሓለፍቲ ሚኒሰትሪ ገንዘብ ደዊሉ ምላሽ ክረክብ ኣይከኣለን።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ግን፡ ኣብ 3 መጋቢት 2026 ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ "ባጀት መንግስቲ እናመንዘዐ ንቐለብ ዕጡቓት የውዕሎ ኣሎ። ህዝቢ ካብ ልምዓትን ወፍርን ክርሕቕ ይሰርሕ ኣሎ። ወርቅን መዓድናትን ትግራይ እናመዝመዘ መግዝኢ ኣጽዋር ይገብር ኣሎ" ክብል ንህወሓት ምክሳሱ ይዝከር።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት፡ ኣብ ከባብታት ጸለምቲ ሓድሽ ወተሃደራዊ ግጭት ተራእዩ ዝነበረ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ድማ መንግስቲ ፌደራል ሰራዊቱ ናብ ክልል ትግራይ የጸግዕ ምህላዉ ህወሓት ከሲሱ ነይሩ።

ቢሮ ትምህርቲ እንታይ እዩ ኢሉ?

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዑሽ፡ ናብ ዝምልከተን ሚኒስተራት ፌዴራል ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፡ መንግስቲ ፌደራል ስሩዕ ባጀት ትግራይ ምኽልካሉ፡ ምስ መትከላት ሕገ-መንግስታዊ ምዕሩይነትን ፊስካላዊ ፌደራሊዝምን ከምኡ'ውን ምስ ቃል ኪዳን ውዕል-ፕሪቶርያ ዝፃረር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ 30 ሚኢታዊ ባጀት ጥራይ ከምዝተልኣኸ ዘመልከተ ዶ/ር ጉዕሽ፡ ብፍላይ ናይ ጥርን ለካቲትን ጠቕሊሉ ከምዘይተልኣኸ ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቡ።

ግዝያዊ ምምሕዳር'ቲ ክልል፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ምትእኽኻብ እቶት ብምግባር፡ ናይ ወርሒ ጥሪ ኣብ ለካቲት ከምዝኸፈለ፡ ንለካቲት ግን ክኸፍል ከምዘይከኣለ ኣረዲኡ።

ንሱ፡ ናብ ሚኒስትር ትምህርት፣ ኮሚሽን ሓደጋን ድልውነትን ካልኦት ኣካላትን ኣብ ዝፀሓፎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ "ንዓወደ ትምህርቲ እቲ ክልል ናብ ሕደጋ ዘእቱ ክልከላ በጀት ብህፁፅ ፍታሕ ክርከበሉ" ክብል ተማሕፂኑ።

እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን መንግስቲ ፌደራል ንትግራይ ዝግበኣ ሕገ መንግስታዊ በጀት ብዘይምልኣኹ፡ "መሃያ መምህራን ምኽፋል ስለዘይተልኣኸ፡ መምራንናን ስድርኦምን ንፀገም ተሳጠሖም። ብሓፈሻ ዓውደ ትምህርቲ ትግራይ ንኸቢድ ውድቀት ዝዳርግ ፀገም ገጢምዎ ኣሎ" ኢሉ።

ብሰንኪ ኲናት ን 3 ዓመትን መንፈቕን ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ተዓፅየን፤ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቆም፤ ትካላትን መሰረተ ልምዓትን ትምህርቲ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደን እቲ ሓላፊ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መቐለ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ

እቲ ዝለኣኸ ባጀት፡ ንመዓልታዊ ወፃኢታት ጥራይ ከምዝሽፍንን ዝተረፈ ካብ ባንኪ ዓለም፣ ዩኒሴፍን ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉ ዓለማዊ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ከም ዝሽፈን ኣረዲኡ።

ኣብ ዝሓለፈ 2 ዓመትን መንፈቕን፡ ውሱን ዳግመ ህንፀት ኣብያተ ትምህርትን ምምላእ ናውቲ ትምህርትን ተጀሚሩ ከምዝነበረ ገሊፁ።

በጀት ትምህርቲ ምኽልካል፡ ድሕረ ኲናት ንዝነበረ ምቕቃሕን ሓገዝ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ዝሽርሽር ምዃኑ ብምሕባር ንዓለምለካዊ መሰላት ምምሃር ህፃናት ትግራይ ዝፃባእ ተግባር ይዝፍፀም ኣሎ ኢሉ።

ኣብ ዓመተ ባጀት-2018፡ ንትግራይ ዝተመደበ 18̇.8 ቢልዮን ብር ጥሙር ባጀት፡ ንዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ተመቒሉ በብወርሒ ክለኣኽ ትፅቢት ይግበር። በዚ መሰረት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ 2.13 ቢልዮን ብር በብወርሑ ናብ ትግራይ ክለኣኽ ትፅቢት ነይሩ። እዚ ግን ኣይተፈፀመን።

ዝበዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ በቲ ኲናት ከምዝዓነዋ፡ መምህራንን ተምሃሮን ድማ ሰፊሕ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ደ/ር ኪሮስ ተዛሪቡ።

ቅድሚ እቲ ኲናት፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 46 ሽሕ መምህራን ከምዝነበሩ ብምሕባር ግን ከኣ ካብኣቶም ልዕሊ 14 ሽሕ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት [ሞትን ኣካላዊ ጉድኣትን ሓዊሱ] ናብ ስርሖም ከምዘይተመልሱ ኣመልኪቱ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣስታት 2.5 ሚልዮን ህፃናት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክወፍሩ ትፅቢት ይግበር ነይሩ፤ እንተዀነ 1̄.3 ሚልዮን ጥራይ እዮም ተመዝጊቦም።

ርኡይ ወጥሪ

እቲ ሎምቕነ ዝረአ ዘሎ ኩነታት፡ ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዝተወለዐ ደማዊ ኲናትን ምስኡ ብዘተኣሳሰር ተነቢሩ ዝነበረ ዘይእዉጅ ዕፅዋን የዘኻኽር ኣሎ።

ናብቲ ክልል እዅል ነዳዲ ይኸይድ ስለዘየለ፡ መኽዘናት ነደዲ ባዶ ዀይኖም ነዳዲ ብዘይስሩዕ ክሽየጥ ይረአ።

ኣብቲ ክልል ኣብ ዝንቀሳቐሳ ባንክታት'ውን እዅል ጥረ ገንዘብ ዘይምህላዉ ኣብ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ነበርቲ ቅልውላው የስዕብ ከምዘሎ ቢቢሲ ትግርኛ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ መንጐ ማእከላይ መንግስትን ህወሓትን ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥጥ፡ ናብ ግጭት ከየምርሕን ውዕል ፕሪቶርያ ናብ ሓደጋ ከይወድቕን ኣብ ዝስግኣሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ጠጠው ዘበለ ውዕል ፕሪቶርያ ብዘይምኽባር ዝካሰሱ ዀይኖም፡ ብፍላይ ብሓይሊ ዝተትሓዙ ግዝኣታት፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዘይምምላስን ዕጥቂ ዘይምፍታሕን ብዝምልከት ንሓድሕዶም ይነቓቐፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ከባብታት ፀለምቲ ወተሃደራዊ ግጭት ተራእዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ኣብ ከባቢ መዋሰንቲ ትግራይ ወተሃደራዊ ምቅርራብ ከምዘሎ ሰብ-መዚ ትግራይን ዲፕሎማትን ይገልፁ።

መንግስቲ ፌዴራል፡ ንህወሓት ምስቲ ብሰንኪ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዝዋጠጦ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ሓቢሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ደጋጊሙ ይኸስስ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ነቲ ክሲ ይነፅጐ።