ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ ልክዕ ከምቲ ኣልኮል ዘለዎ ክጥዕም ይኽእል ድዩ?
ምንጪ ስእሊ, Klaus Vedfelt/Getty Images
ምስ የዕሩኽትኻ ኣብ ባራት ወጺኻ ክትዘናጋዕ መደብ ኣለካ፣ ጽባሕ ስራሕ ስለ ዘለካ ግን ብመስተ ተሰኒፍካ፡ ንጽባሒቱ ርእስኻ ሓሚምካ ክትውዕል ኣይደለኻን። ከም ኣማራጺ ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ ኣሎ'ሞ ብእኡ ክትዘናጋዕ'ዶ ምመረጽካ?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክኢላታት ዝሃብዎ ገምጋም፡ ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ ንኣልኮል ዘለዎ ተኸቲሉ ካልኣይ ኣዝዩ ህቡብ መስተ ክኸውን'ዩ ኢሎም ነይሮም። እቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝተፈተነ ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ፡ ብዙሓት ጽቡቕ ጣዕሚ ከም ዘይነበሮ'ዮም ዝሕብሩ።
ሕጂ ግን ብውሕሉል ኬሚስትሪ ብዙሓት ሰራሕቲ ቢራ፡ ጣዕሚ እቲ ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ ካብቲ ኣልኮል ዘለዎ ቢራ ፈጺሙ ከም ዘይፍለ'ዮም ገይሮምዎ።
ስለዚ፡ እዚ ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ ከመይ ኢሉ እዩ ብጣዕሙ ክሳብ ክንድዚ ተመሓይሹ? ንዅሉ እቲ መብዛሕትኦም ሰተይቲ ቢራ ዝፈትውዎ ረቂቕ መኣዛታትን ጨናታትን ኣልኮል ዘለዎ ቢራኸ ከማልእ ይኽእል ድዩ?
ባናናስ ኣብ ቢራ?
ቢራ ክስራሕ እንከሎ ንኽበላላዕን ነቲ ኣብ ስገም ዘሎ ሽኮር ንምስብባሩን ለቢቶ ይኣትዎ፤ እቲ ብለቢቶ ዝፍጠር ምብልላዕ ከኣ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ይፈጠር።
እቲ ለቢቶ ስርሑ ክገብር እንከሎ ዝተፈላለየ ጨናታት ከም ዝፈጥር ቤልጂማዊ ክኢላ ለቢቶ ፕሮፌሰር ከቪን ቨረስትረፐን ይሕብር።
ከቪን ምስ ቢቢሲ መደብ ክራውድሳይንስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ገለ እቲ ጨናታት ኣዝዩ ውሑድ ዓቐን ዘለዎ'ዩ፣ ኣፍንጫና ግን ካብ ብዙሕ ጨናታት ፈልዩ ከውጽኦ ይኽእል'ዩ፡" ይብል።
ኣብ መስርሕ ኣብ ምብልላዕ እንከሎ ከኣ ዝተፈላለየ ጨና ንኽህልዎ ዝተፈላለየ ነገራት ይኣትዎ'ዩ። ንኣብነት ካብ ባናና ዝርከብ ኢዞሚሊ ኣሰቴት ዝብሃል ንጥረ ነገር ናብቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ገንኢ ይኣቱ'ሞ ፍሉይ ናይ 'ፍሩታ' ጨና ዘለዎ ቢራ ክስራሕ ይኽኣል'ዩ። እቲ ጨና ግን ፍጹም ናይ ባናና ጨና የብሉን።
"እመኑኒ ኣብ መብዛሕትኡ ቢራ ኢዞሚሉ ኣሰቴት ኣለዎ፡" ይብል።
ብዘይካ'ዚ ዝተፈላለየ ቅመማት'ውን ይኣትዎ'ዩ።
"ገለ ቢራታት ናይ ዕንባባ፡ ናይ ቱፋሕን ካልእ ዝተፈላለየ ጨናታትን ዘለዎ ቢራ ኣሎዎ። ስለዚ ብዛዕባ ጨና ናይ ቢራ ክንዛረብ እንተዄንና ማእለያ የብሉን፡" ይብል እዚ ክኢላ።
ሰራሕቲ ቢራ ነናቶም ጣዕምን ጨናን ዓቂቦም ንክኸዱ እቲ ዝጥቀምሉ ቀመማት ብምስጢር ከም ዝሕዝዎ'ውን ኣይሓብአን።
ምንጪ ስእሊ, HildaWeges/Getty Images
ንኣልኮል ካብ ቢራ ንምፍላይ . . .
ናብቲ ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ ምስ እንሰግር ግን እቲ መስርሕ ዝተፈለየ'ዩ፤ ቀሊል ከኣ ኣይኮነን።
ቅልል ብዝበለ ቢራ ምስ ተሰርሐ ነቲ ቢራ ተፍልሖ'ሞ እቲ ኣልኮሉ ይሃፍፍ። እዚ ቀሊል'ዩ ግን እቲ ብርቱዕ ሙቐት ንጣዕምን ንጨናን እቲ ቢራ ስለ ዘበላሽዎ ነዚ ኣገባብ ክኽተል ዝመርጽ ሰራሒ ቢራ የለን።
ሰራሕቲ ቢራ ነቲ ቢራ ካብ ኣልኮል ነጻ ንምግባሩ፡ ትሑት ጸቕጢ ብዘለዎ መስርሕ'ዮም ዘካይድዎ። እቲ መስርሕ ከኣ 'ቫኵዩም ዲስቲለሽን' ይብሃል።
ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝርከብ ብደረጃ ዓለም ሓደ ካብ ዝዓበዩ ፋብሪካታት ቢራ ኤቢ ምክትል ፕረዚደንት ዝዀነ ዳቪድ ደ ሹተር "ንቢራ ንምፍላሕ እንጥቀመሉ መጠን ሙቐት 70 ዲግሪ ሰልሽየስ'ዩ፤ እቲ መስርሕ ኣብ ኣየር ኣብ ዘይብሉ [ቫኵዩም] እንተኣካይድካዮ ግን ነቲ መጠን ሙቐት ናብ 40 ክሳብ 45 ዲግሪ ሰልሽየስ ከተውርዶ ትኽእል ኢኻ። እዚ ከኣ ጣዕምን ጨናን እቲ ቢራ ንኸይቕየር ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ፡" ይብል።
እቲ ናይ ምፍላሕ መስርሕ ንገለ ጨናታት ብመጠኑ ስለዘጕድሎም ግን እቲ ዝጐደለ ጨና መሊሶም ናብቲ ገንኢ መስርሒ ቢራ ብምእታው፡ እቲ ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ ልክዕ ከምቲ ኣልኮል ዘለዎ ቢራ ጨና ከም ዝህልዎ ገይሮም ከም ዝሰርሕዎ ይገልጽ።
"ንዝሓለፈ 20 ክሳብ 30 ዓመታት ኣብ ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ ንስእኖ ዝነበርና ጨና ድሕሪ ክንደይ ምርምርን ፈተነታትን ነቲ ግድል ፈቲሕና ሕጂ እቲ ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ ልክዕ ከምቲ ኣልኮል ዘለዎ ቢራ ዘለዎ ጨናን ጣዕምን ከም ዝህልዎ ገይርና ኣለና፡" ይብል።
ካልኦት ሰራሕቲ ቢራ ከኣ ነቲ ኣልኮል ካብቲ ቢራ ንምልጋስ 'ሪቨርስ ኦስሞሲስ' ዝብሃል ኣገባብ'ዮም ዝኽተሉ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዋይፐር ኤንድ ትሩ ኣብ ዝብሃል ትካል መመስርሒ ቢራ 'ኦፕረሽናል ዳይረክተር' ዝዀነ ማርቪን ሊንተር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እቲ መስርሕ ብኸመይ ከም ዝካየድ ኣብሪሁ።
ምንጪ ስእሊ, Pramote Polyamate/Getty Images
ማርቪን ሊንተር ነቲ መስርሕ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ዘይተጾሞቀ ቢራ ብሓደ ንኣሽቱ ሞሎኲላትን ፍሉይ ጨናን ዘለዎ ቱቦታት ይሓልፍሞ፡ እቶም ንኣሽቱ ሞሎኲላት ነቲ ግለት ናይ ቢራ ኣትሪፎም ነቲ ኣልኮል ዘለዎ ቢራ የሕልፍዎ።
ብድሕሪ እዚ ነቲ ኣልኮል ማይ ብምውሳኽ ንመጠን ኣልኮል ናይቲ ቢራ ካብ 5 ሚእታዊት ናብ 0.5 ሚእታዊት ከም ዝንኪ ይግብር።
0.5 ሚእታዊት ኣልኮል ዘለዎ መስተ ከኣ ዘይኣልኮላዊ'ዩ ዝሕሰብ፡ ዋላ ኣዝዩ ዝበሰለ ባናና'ውን 0.5 ዝኸውን መጠን ኣልኮል'ዩ ዘለዎ።
ረቂቕ ምክትታል ዘድልዮ መስርሕ
ነቲ ኣልኮል ካብቲ ቢራ ንምውጻእ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ክልተ ኣገባባት ኣሎ፤ ብተወሳኺ ነቲ ናይ ምብኳዕ መስርሕ ካብ መጀመርታኡ'ውን ብዘይ ኣልኮል ወይ ብትሑት መጠን ኣልኮል'ውን ክግበር ይከኣል'ዩ።
እዚ ንምግባር ከኣ ኣብቲ ዝበላላዓሉ እዋን ንኣብነት ነቲ ለቢቶ ብሙቐት ወይ ውሑድ ስገም ብምእታው ሓይሊ ብምጕዳል ክግበር ይከኣል።
ገለ ሰራሕቲ ቢራ ፈጺሙ ኣልኮል ከም ዘይፍጠር ንምግባር ፍሉይ ኣልኮል ዘይፈጥር ለቢቶ ይጥቀሙ'ዮም። እቲ ለቢቶ ነቲ ኣብ ስገም ዘሎ ሽኮር ኣብ ዝበልዓሉ ኣልኮል ኣይፈጥርን።
እቲ ክኢላ ነዚ ክገልጽ እንከሎ "ንሕና [ደቂ ሰባት] ሽኮር ንበልዕ ኢና ኣብ ውሽጥና ግን ኣልኮል ኣይፍጥርን'ዩ። ኣብ ክንድኡ ማይን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ኢና ንፈጥር፣ ስለዚ እቲ ኣልኮል ዘይፈጥር ለቢቶ'ውን ከምኡ እዩ ዝገብር፤ ኣብ ክንዲ ነቲ ሽኮር ክበልዖ እንከሎ ኣልኮል ዝፈጥር ማይን ካርቦን ዳይኦክሳይድን ይፈጥር፡" ኢሉ።
ምንጪ ስእሊ, BBC/CrowdScience
ኣብቲ ንሱ ዝመራመረሉን ዘቃምመሉን ቤተ ፈተነ፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ለቢቶታት ብምጥቃም፡ ፍሉይ ጣዕምን ዝተፈላየ ጨናን ዘለዎ ቢራ ንምስራሕ እንታይ ዓይነት ነገራት ክውሰኽ ከም ዘለዎ ፈተነታት ይገብር።
ብዓቢኡ ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ በየናይ ዓይነት ምቅምማት'ዩ ቀልጢፉ ዝበስል ንኽፈልጥ'ውን ፈተነታት ይገብር።
"ዝተፈላለየ ዓይነት ለቢቶ እንተ ተጠቒምካ እቲ ጨና ናይቲ ቢራ ይፈላለ'ዩ። ኣብዚ ሕጂ ብግልጺ ንምዝራብ ካብዚ ኵሉ ዓይነት ለቢቶታት ኣዝዩ ውሑድ ለቢቶታት'ዩ ኣዝዩ ምኡዝ ጣዕምን ጨናን ዘለዎ ኣልኮል ዘይብሉ ንምስራሕ ዝጠቕም፡" ይብል።
ነቲ ፍልልይ ምልላይ
ብዙሓት ሰራሕቲ ቢራ ግን ዝተጠቐምካ ሜላ ተጠቐም ነቲ ኣልኮል ካብቲ ቢራ ምውጻእ ንጣዕሚ እቲ ቢራ ከም ዝቕይሮ ይምጕቱ። ምኽንያቱ ከኣ እቲ ኣብ ቢራ ዘሎ ኣልኮል ኣብ ምምኣዝ እቲ ቢራ ናቱ ግደ ስለዘለዎ'ዩ።
ከቪን "እቲ ዝያዳ ዝሓላልኾ ከኣ ኣልኮል ንትሕዝቶ ማይ ስለ ዝቕይሮ'ዩ፣ እቲ ኣልኮል ካብቲ ቢራ ምስ ተኣለየ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ቢራ ዝነበሩ ሞለኲላት እቲ ኣልኮል ካብቲ ቢራ ምስ ተኣለየ ባህሪኦም ይቕይሩ'ዮም። እዚ ከኣ ንጨናን ናይቲ ቢራ ንኽቕየር ይድርኾ'ዩ፡" ይብል።
ስለዚ ነቲ ዝድለ ጣዕምን ጨናን ንምምጻእ ዝተፈለላየ ሜላታት ከም ዝጥቀሙ ከቪን ቨረስትረፐን ይሕብር።
ኣብዚ እዋን ኣዝዩ ዝተራቐቐ ሜላ ብምጥቓም ብጣዕሙ ይዅን ብጨናኡ ካብቲ ኣልኮል ዘለዎ ቢራ ዘይፍለ ካብ ኣልኮል ነጻ ዝዀነ ቢራ ይስራሕ ምህላዉ'ዮም እዞም ክኢላታት ዝዛረቡ።
ማርቪን ሊንተር ብወገኑ "ምሉእ ለይቲ ክትሰትዮ ሓዲርካ ብፍጹም ክትፈለዮ [ካብቲ ኣልኮል ዘለዎ ቢራ] ኣይትኽእል ኢኻ፡" ይብል።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available