ኣመሪካ፡ ንፋኖ ዝመደበትሉ 'ሽበራ ደረጃ ሰለስተ' እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰፊሑ 'ኣይስ' ብዝብል ዝፍለጥ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ፡ ንባዕሉ "ኣባል ፋኖ" ኢሉ ዝገለፀ ሰሎሞን ቦጋለ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰጎጎ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝኽተሎ ፖሊሲ ዘፈፅም ትካል፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ'ቲ ውልቀሰብ ሰፋሕቲ ገበናት ኣቕሪቡ'ሎ።
እቲ ትካል፡ ብሓሙስ 12 መጋቢት 2026 [4 መጋቢት 2018 ዓ.ም] ምስ ስእሊ ናይቲ ውልቀሰብ ኣደጊፉ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ፡ "ፈፃሚ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣባል ዕጡቕ ጉጅለን ፅልዋ ፈጣሪ ምጽናት ዓሌትን " ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ውልቀሰብ፡ ኣብታ ሃገር "ከም ስደተኛ ክረኽቦም ዝግባእ ረብሓታት ከምዝተኸልከለ" ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተሰጎገ ኣፍሊጡ።
እቲ ምስ ከበድቲ ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስሙ ዝለዓል ዘሎ ሰሎሞን ቦጋለ ፡ ሓለፍቲ ኢሚግሬሽን ምስኡ ዝተኣሰሳሩ ሕሳባት "ማሕበራዊ መራኸቢታት" ምስ ኣረጋገፀ ከምዝሰጐጉዎ እዮም ዝገልፁ።
ኣብቶም ሕሳባት ማሕበራዊ ሚድያ፡ "ኣባል ናይቲ ደረጃ ሰለስተ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ፋኖ ምዃኑ ብግልጺ ኣፍሊጡ እዩ" ኢሉ።
ብተወሳኺ "ጥቃዓት ሰለሞን ቦጋለ፡ ተጋሩ ካብ ኢትዮጵያ 'ክፀንቱ' ኣለዎም ብዝብል፡ ኣብ ልዕሊኦም ስደትን ዓመጽን ክፍፀም ፃውዒት ኣቕሪቡ" ክብል ከሲሱ።
ኣብ ፌስቡክ ልዕሊ 100 ሽሕ ተኸታተልቲ ዘለዉዎ ሰለሙን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርገሖም ጽሑፋት ብዝተኣሳሰር 'ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዓመጽ ብምጉስጓስ' ስሙ ክለዓል፡ ሕዚ ንመጀመርታ ግዜኡ ኣይኮነን።
ንመኽሰብ ዘይሰርሕ 'ዘ ቢሮ ኦፍ ኢንቨስቲጌቲቭ ጆርናሊዝም' ዝተብሃለ ትካል ጋዜጠኝነት፡ ብ 2022 ኣብ ዘውጽኦ መርማሪ ጸብጻብ፡ ሰለሙን ስሙ ተጠቒሱ ይርከብ።
እቲ ጸብጻብ፤ ፌስቡክ ምስ ኲናት ትግራይ ተተሓሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ዓሌታዊ ዓመጽ ኣብ ምልዕዓል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተሳቲፎም እዮም ብዝብል ብግዳያት ዝቐረበ ክሲ ከምዝመርመረ ይገልፅ።
እቲ ፀብፃብ ወሲኹ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ዝተቀትለ ትግራዋይ ዛንታ ከም ኣብነት ዝጠቐሰ እንትኸውን፥ ስድርኡ ነቲ ቅትለት "ኣለዓዒሉ" ኢሎም ካብ ዝኸሰስዎም ፅሑፋት ሓደ ሰሎሞን ቦጋለ ዝተጠቅዑ ይርከቦም።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ'ቲ ብኢሚግሬሽንን ኣኽበርቲ ጉምሩክን ኣመሪካ ዝቐረበ ክሲ፡ ካብ ሰለሞን ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ዛጊድ ኣይሰመረሉን።
እንተኾነ ሰለሙን፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት ምስ ናይ ኦንላይን ማዕከን ዜና ዝዀነ 'ዘ ሓበሻ' ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ነዚ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።
ሰለሙን "ንኣስታት ክልተ ወርሒ" ተኣሲሩ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተሰጎገ ዘረጋገፀ ዀይኑ፣ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ "ናይ ዑቕባ ሕቶ ንምስማዕ" ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ምዃኑ ተዛሪቡ።
"ናይ ሓሶት ሓበሬታ" ከምዝተዘርገሖን "ወፍሪ ይግበሮ" ከምዘሎን ዝገለፀ ሰሎሞን፡ "ከም ህዝቢ" ዓመጽ ዘለዓዕል ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ ከምዘይዘርገሐ ገሊፁ።
ዕጡቕ ፋኖ ዝርከበሉ 'ጉጅለ ሽበራ ደረጃ ሰለስተ' እንታይ እዩ?
ሰሎሞን "ኣባል" ዝኾነሉ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ፡ ዝተመደቦ "ጉጅለ ሽበራ ደረጃ ሰለስተ' ደረጃ ሰለስተ' ዝብል ምዃኑ ኣግልግሎት ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ (ICE) ምግላፁ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት የዘራርብ ኣሎ።
ብመሰረት ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ኣመሪካ፡ ኣባላት እዞም ኣብዚ ዝተኻተቱ ጉጅለታት ዝኰኑ ውልቀሰባት፡ ናብታ ሃገር ምእታው ክኽልከሉን ናይ ስደተኛታኛነት መሰል ክሕደጉን ይኽእሉ።
ምስ ግብረሽበራ ዝተኣሳሰሩ ተግባራት "ብተዛማዲ ሰፊሕ" ከምዝዀኑ ዝገልጽ መግለጺ እቲ ትካል፡ "መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ግብረሽበራ ዝተኣሳሰሩ ተባሂሎም ዘይሕሰቡ ውልቀሰባትን ንጥፈታትን'ውን ክምልከት ይኽእል'ዩ" ይብል።
ምስ ግብረሽበራ ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ናብ ኣመሪካ ምእታው ካብ ዝኽልክሉ ምኽንያታት፡ "ከቢድ መጉዳእቲ ወይ ሞት ንምብጻሕ ሓሲብካ ግብረሽበራዊ ንጥፈታት ምልዕዓል" ዝብል ሓደ እዩ።
"ወኪል ወይ ኣባል ናይ ሓደ ግብረሽበራዊ ትካል ምዃን" ከምኡ'ውን "ንሽበራዊ ተግባራት ምድጋፍ" ካብቶም ምኽንያታት እዮም።
ብመሰረት ፖሊሲ 'ቲትካል፡ ጉጅለታት 'ግብረሽበራዊ' ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ይምቀሉ።
ደረጃ ሓደ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከም ግብረሽበራዊ ዝተመደበ ናይ ወጻኢ ትካል እዩ።
እቶም ኣብዚ ምድብ ዘለዉ "ኣብ ግብረሽበራዊ ንጥፈታት ክዋፈሩ" ወይ ድማ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ናይ ምውፋር "ዓቕምን ዕላማን" ኣለዎም።
ግብረሽበራዊ ተግባራቶም ንዜጋታት ኣመሪካ ወይ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ እውን "ዓቢ ስግኣት" ከስዕብ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደረጃ 2 ጉጅለታት፡ ንዕላማታት ኢሚግሬሽን ክበሃል ከም ግብረሽበራዊ ጉጅለታት ዝተበየኑ እዮም።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ምስ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ብምምኽኻር ወይ ድማ ብሕቶ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ክብይን ይኽእል።
ኣብዚ ምድብ ምስ ዝምደቡ ጉጅለታት ምትእስሳር ዘለዎም ዜጋታት ወጻኢ ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ይኽልከሉ።
ሳልሳይ ምድብ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ፋኖ ዝርከበሉ ዀይኑ፡ ካብተን ቀዳሞት ክልተ ምደባታት፡ ብፍሉይ ኣገባብ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣይምዘዘን።
ኣብዚ ምድብ ዝርከባ ትካላት፡ ብመሰረት ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ኣመሪካ፡ "ዘይተመደበ ግብረሽበራዊ ትካላት" ተባሂለን'ውን ይጽውዓ።
እቲ ሓበሬታ "ክልተ ወይ ልዕሊኡ ውልቀሰባት ዝሓቖፈ ጉጅለ" ኣብዚ ምድብ ከምዝካተት ይሕብር፤ "ዝተወደቡ ወይ ዘይተወደቡ" ክዀኑ ከም ዝኽእሉ እውን የረድእ።
"ኣብ ግብረሽበራዊ ተግባራት ዝዋፈሩ ወይ ዝሳተፉ ንኡስ ኣካላት ዘለዎም ጉጅለታት" ኣብዚ ምድብ ይካተቱ።
"ከም ደረጃ ሓደን ደረጃ ክልተን ትካላት ብስሩዕ'ኳ እንተዘይተበየኑ፡ ተግባራቶም ጥራይ ከም ግብረሽበራዊ ትካላት ክውሰድ ብቑዓት ይገብሮም" ክብል ገሊጹ።
እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓደ ጉጅለ 'ደረጃ ሰለስተ ግብረሽበራዊ ጉጅለ' ተባሂሉ ክጽዋዕ ድዩ ኣይፅዋዕን፡ ብብያነ ዝውሰን ከምዘይኮነ ገሊጹ።
የግዳስ፡ እቲ ትካል ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ውሳነ "ምስ ምግምጋም መመልከቲ ሓገዛት ኢሚግሬሽን ብዝተኣሳሰር፡ በብጉዳዩ" ከከም ጉዳዩ ከም ዝውሰን ይገልጽ።
"ብይን ደረጃ ሰለስተ [ምምዳብ] ክቕየርን ክልወጥን'ውን ዝኽእል እዩ፡" ክብል ገሊጹ።
ሰለሙን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ኢሚግሬሽን ቆጸራ ኣብ ዝነበሮ እዋን ከምዝተኣሰረ ገሊጹ። እቲ ክሲ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝለጠፎም ናይ ፌስቡክ ፅሑፋት ዝተኣሳሰሩ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተሪር ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ዝዝረበሉ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒሙ፡ ቪዛ ዝተዋህቦም ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጽሕፍዎ ጽሑፋት ይከታተል ኣሎ ብዝብል ይኽሰስ ነይሩ።
ነዚ ክሲ ዘቕረቡ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኣመሪካ እቲ ስጉምቲ ንመሰል ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዝዳፋእ እዩ ዝብል መካትዑ ከምዝቕርቡ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣብቲ እዋን ነቲ ክሲ ምላሽ ዝሃበ፡ ምክትል ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ግን፡ "ንሽበራ ዝድግፉ ወጻእተኛታት ክንቅበል ግዴታ የብልናን" ኢሉ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


