ናይዚ ሰሙን ውቁባት ስእልታት ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ከውሒ ዝተቖርጻ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ከተማ ላሊበላ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ካህናት ኣብቲ ቀዳም ዝተኸብረ ኦርቶዶክሳዊ ልደት ...

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡባዊ ሲናይ ግብጺ ብሰሉስ ዝተኻየደ ዓመታዊ ውድድር ኣግማል በደዊን ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሓደ ተሓጋጋዚ ንሓደ ህንጡይ ተሳታፊ ግመል ሒዙ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብቶም ኣብ ዓመታዊ ንግደት ቤተክርስትያን ሸምቤ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሳተፉ 20 ሽሕ ሰባት፡ ብቅዳም ናብቲ ኣብ ከባቢ ደርባን ዝርከብ ቅዱስ እምባ ንላንጋካዚ ብእግሮም ክኸዱ ይረኣዩ...

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሳዕሳዕቲ ኣብቲ ኣብ ጥቓ እቲ ፍጸመ ኣብ ዝርከብ እምባ ምርኢት የቕርቡ - እቲ ኣጋጣሚ ንክርስትያናዊ ስርዓታት ምስ ባህላዊ ባእታታት ዙሉ ዝሓዋወሰ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቤኒን ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ በዓል ቩዱ፡ ውፉያት ኣብ ጥቓ ቀንዲ ከተማ ኮቶኑ ስርዓታት ይፍጽሙ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብሰንበት ኣብ ንግዳዊ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ ሌጎስ ኣብ ኣውራጃ ኣገገ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ክልተ ኣባግዕ ዝዕዘብ ህዝቢ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, እቶም ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ማሊ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 46 ወተሃደራት ኣይቮሪኮስት ንቤተሰቦምን ፈተውቶምን ሓጎሶም ኣብ ዝገልጽሉ እዋን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከቡ ወተሃደራት ሓይሊ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብቲ ብዓርቢ ዓመጽቲ ኤም23 ዘረከብዎ መዓስከር ሓለዋ ደው ኢሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰንበት ኣብ ወደብ ዛርዚስ ቱኒዝያ ዝርከብ ገፋፍ ዓሳ፡ ንዝቕጽል ስርሑ ቅድሚ ምብጋሱ መርበቡ የዳሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ነዚ ኣብ ኬፕታውን ኣብ ዝርከብ መስጊድ ቁርኣን ዘንብብ ዘሎ ሰብኣይ ደው ዘብሉ ኣይኮኑን

መሰል ቅዳሕ ስእልታት ዝተሓለወ እዩ።