እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሻርክታት ኣብ ገምገም ባሕሪ ተሓቢኦም ዘርኢ ናይ ድሮን ምስሊ
ሻርክታት ኣብ ገምገም ባሕሪ ተሓቢኦም ዘርኢ ናይ ድሮን ምስሊ
እዚ ብድሮን ዝተወሰደ ዘደንቕ ምስሊ፡ ሻርክታት ናብ ገምገም ባሕሪ ኣዝዮም ቀሪቦም ኣብቲ ሰባት ዝሕንብሱሉ ከባቢ ክንቀሳቐሱ የርኢ። ጆኣና ስተይድል ዳርጋ መዓልታዊ እያ ኣብ ሳውዛምፕተን ኒውዮርክ ኣብ ገምገም ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ብድሮን እትስእል። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣዝዩ ብዙሕ ዋሕዚ ሻርክታት ኣብቲ ገምገም ከምዝረኣየት ከኣ ትዛረብ።