'እቲ ስንክልና ዘለዎ ወድና፡ ካብ ጸባብ ክፍሊ ንላዕሊ'ዩ ዘድልዮ'

ሚልዮን ቦጋለ ን9 ኣዋርሕ ምስ ስድርኡ ኣብ በርሚንግሃም ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መንበሪ ኣባይቲ ክነብር ጸኒሑ
መግለጺ ስእሊ, ሚልዮን ቦጋለ ን9 ኣዋርሕ ምስ ስድራኡ ኣብ በርሚንግሃም ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መንበሪ ኣባይቲ ክነብር ጸኒሑ
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ንትሸተዓ ኣዋርሕ፡ ኣካላዊ ስንክልና ምስ ዘለዎ ውላዶም ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ክነብሩ ዝጸንሑ ስድራቤት፡ ዝያዳ ምቹእ መንበሪ ንምርካብ ተስፋ ከም ዝቘረጹ ይረዛቡ።

ሚልዮን ቦጋለ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘጋጥሞ ግፍዒ ሃዲሙ ናብ ብሪጣንያ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ብ2024 ዕቝባ ረኺቡ። ኣብ ሰነ ድማ ናብ ስድራቤቱ ተጸምቢሩ።

ኣብ በርሚንግሃም ምስ ቈልዑ ሓሙሽተን ሸውዓተን ዓመት ደቈም ድማ ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ይርከቡ፣ እቲ በዅሪ ውላዶም ድማ ሴረብራል ፓልሲ ዘለዎ፡ ዘይረዛብን ዘይንቀሳቐስን ቈልዓ እዩ።

ምምሕዳር ከተማ በርሚንግሃም እቲ ኵነታት ምቹእ ከም ዘይኰነ ግን ኣባይቲ ውሑድ ምዃኑ ከም ዝግንዘብን፡ ዝያዳ ንዕኦም ዝምጥን ቦታ ንምርካብ ምስታ ስድራቤት ርክብ ከም ዘለዎን ይገልጽ።

ቢቢሲ ኣብ በርሚንግሃም ንጉዳይ ማሕበራዊ ኣባይቲ ስንኩላን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ፡ ምስ ስድራ ሚልዮን ቦጋለ ክዘራረብ ጸኒሑ'ዩ።

ብመሰረት ስታቲስቲክስ ሆም ኦፊስ ኣብ ታሕሳስ 2025፡ ኣስታት 9,000 ኤርትራውያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዕቝባ ዝሓተቱ ኰይኖም 87% ዕቝባ ከም ዝተዋህቦም የመልክት።

ሚልዮን፡ ነቲ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዱድ ሃገራዊ ኣገራዊ ኣገልግሎት ክከናኸኖ ንዘይክእል ዝነበረ ስንኩል ወዱ ዝሓሸ ክንክን ጥዕና ንምድላይ'ውን ከም ዝተሰደደ ይዛረብ።

እታ ስድራቤት ግን ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ክፍሊ ክትነብር ጸኒሓ ኣላ፤ እዚ ድማ ነቲ ቈልዓ ንምልዓል ዝሕግዝ ዝዀነ ፍሉይ መሳርሒ፡ መሕጸቢ ወይ ምልዓል ዝሕግዝ መሳለጥያታት የብሉን።

ክልተ ብግቡእ ዘይተነጸ መደቀሲ ዓራትን፡ ገጹ ንከይርአ ዝተገብረ ኣብ ዊልቼር ኮፍ ዝበለ ህጻን ቈልዓን
መግለጺ ስእሊ, ስድራ ሚልዮን ዘለውሉ ኵነታት ኣዝዩ "ኣጸጋሚ" ከም ዝዀነ ይገልጹ

"ክሽነ የለን... ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ኢና ንነብር ዘለና። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ሊፍት'ውን ኣይሰርሕን'ዩ። [እቲ ቈልዓ ወትሩ ኣብ ዓራት እዩ ዘሎ... ኣዝዩ ከቢድ ህይወት'ዩ።"

ሚልዮን፡ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ከምልጡ ብምኽኣሎም ዕድለኛታት ኰይኑ ይስምዖ። ይዅን እምበር ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን፡ ኵነታት መነባብሮኦም ከም ዝመሓየሽ ተነጊሩዎም ምንባሩ ይዛረብ።

"[ኣብዚ ብምህላወይ] ኣዝየ ሕጕስ እየ፡ ምኽንያቱ ውሑስ'ዩ፤ ውሑስ ክንከውን ኣለና፡" ኢሉ።

"ዘለናዮ ኵነታት ግን ጸገም'ዩ።"

ሸልተር ዩኬ ሰባት ገዛ ዘይብሎም ወይ ስንኩላን ሓዊሱ ተወሳኺ ድሌታት ዘለዎም፡ ንማሕበራዊ ክራይ ገዛ ርትዓዊ ምርጫ ክህልዎም ከም ዘለዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ግን፡ ብሕጋዊ መንገዲ ንናይ ሓደ ስድራቤት ጠለባት ዘማልእ መሰል መንበሪ ክህሉ እንከሎ፡ እቲ ክውንነት ግን እኹል፡ ምቹእ ንብረት ዘይምህላው'ዩ ኢሉ።

ሓላፊት ፖሊሲ ናይቲ ገባሪ ሰናይ ዲቦራ ጋርቪ፡ "ብዙሓት ስንክልና ዘለዎም ኣባላት ስድራ ዘለዎም፡" ስድራቤታት ከም ዝረኣየት ገሊጻ።

"ሓደ ወላዲ ስንኩል እንተዀይኑ ወይ ሓደ ካብቶም ቈልዑ ስንኩል እንተዀይኑ፡ ብውልቀ ገዛ ንኽካረዩ እኹል ገንዘብ ክትረክብ ኣዝዩ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ።"

ዲቦራ ጋርቪ፡ ሸልተር ዩኬ ብዙሓት ስንክልና ዘለዎም ስድራቤታት ኣብ ዘይምቹእ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዘለዉ ከም ዝፈልጥ ገሊጻ
መግለጺ ስእሊ, ዲቦራ ጋርቪ፡ ሸልተር ዩኬ ብዙሓት ስንክልና ዘለዎም ስድራቤታት ኣብ ዘይምቹእ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዘለዉ ከም ዝፈልጥ ገሊጻ

ብበርሚንግሃም ቺልድረን ትራስትን ኤንኤችኤስን ዝተገብረ ገምጋማት፡ ስድራ ሚልዮን ዝነብርሉ ቦታ ብህጹጽ ዳግማይ ክርአ ከም ዘለዎም ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ምምሕዳር ከተማ በርሚንግሃም፡ እታ ስድራቤት ዘጋጥማ ዘሎ ርኡይ ብድሆታት ከም ዝርዳእን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ብዕቱብ ከም ዝወስዶን ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ፡ እቲ ምምሕዳር ካልእ ሓደ መንበሪ ገዛ ኣቕሪቡሎም ነይሩ፤ እታ ስድራ ቤት ግን እዚ'ውን ዘይምቹእን ግዝያውን እዩ ኢላቶ።

እቲ በዓል መዚ ንኽድግፎም ቃል ከም ዝኣተወ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ሕጂ ድማ ንኽርእይዎ ክልተ መደቀሲ ክፍሊ ዘለዎ ገዛ ኣለልዩ ኣሎ።

"ቤት" ዘይምቹእ መንበሪ ገዛ ተወሳኺ ስቓይ የስዕበላ ከም ዘሎ ገሊጻ
መግለጺ ስእሊ, "ቤት" ዘይምቹእ መንበሪ ገዛ ተወሳኺ ስቓይ የስዕበላ ከም ዘሎ ገሊጻ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝተፈለየ ጉዳይ፡ ካልኣይ ደረጃ ፕሮግረሲቭ ማልቲፕል ስክለሮሲስ ዘለዋ ኣደ፡ ካብ ማሕበር ኣባይቲ ዝያዳ ምቹእ መንበሪ ክትረክብ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ክትጽበ ከም ዝጸንሐት ትዛረብ።

ቤቲ - ትኽክለኛ ስማ ኣይኰነን - ኣብ ካልኣይ ደርቢ ናይ ሓደ ዓቢ ህንጻ ትነብር፡ ብሰንኪ ናይ ምንቅስቓስ ጸገማት ክትኣቱን ክትወጽእን ኣስታት 15 ደቓይቕ ዝወስደላ ኰይኑ፡ ልዑል ድኻም ብዙሕ ቃንዛ የስዕበላ ኣሎ።

"መዓጹ ክኸፍት ስለ ዘይክእል፡ ሓደ ሰብ ክሕግዘኒ ኣለዎ። ስለዚ በይነይ እንተዀይነ፡ በትሪ ገይረ ክፍትን ኣለኒ፣ እዚ ምንባር ኣይኰነን፡ ስቓይ'ዩ።"

ካብ ሲቲዘን ሃውሲን ብጥቅምቲ 2025 ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ቤቲ ናብ ካልእ መንበሪ ገዛ ክትግዕዝ ብቕዕቲ ምዃና ይገልጽ።

ኣብ ጥሪ ካልእ ገዛ ኣቕሪቦም እኳ እንተነበሩ፡ ንሳ ግን ንዊልቸር ዝምችእ ኣሰራርሓ ከም ዘይብሉን ኵነታታ እናገደደ ምስ ከደ ቀልጢፉ ዘይምቹእ ከም ዝኸውንን ትዛረብ።

ሲቲዘን ሃውሲን ወሲኹ፡ ኣብ 2022 በዓል ሓደ ደርቢ ገዛ ከም ዘቕረበን፡ እዚ ድማ "ኣገደስቲ ድሌታታ" ዘማልእ ምዀነ ነይሩ ይብል።

ንሳ ግን እዚ ገዛ፡ ካብቲ ናይ ደገፍ መርበብን ኣብያተ ትምህርቲ ህጻናትን 20.9 ኪ.ሜ ዝርሕቕ ምዃኑ ትዛረብ።

ዳይረክተር ክንክንን ደገፍን ኣባይቲ ሲቲዘን ፒተር ጊል፡ ቤቲ ንዘጋጠማ ብድሆተት ይቕረታ ብምሕታት፡ "ኵሉ ግዜ ድሌታት ዓማዊልና ዘማልኡ ገዛውቲ ንምርካብ ዝከኣለና ክንጽዕር እንከለና፡ እዚ ግን ኵሉ ግዜ ቀሊል ኣይኰነን፡" ኢሉ።

ቤት ምኽሪ ከተማ በርሚንግሃም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ከቢድ ሳዕቤን" ሃገራዊ ቅልውላው ኣባይቲ የጋጥሞ ከም ዘሎ ገሊጹ።

"ብዓቐን ስድራቤት ዝኸውን ገዛ ናይ ምርካብ ከቢድ ሕጽረት ስለ ዘሎ፡ ፍሉይ ድሌታት ንዘለዎም ስድራቤታት ትኽክለኛ ገዛ ምርካብ በዳሂ እዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

"እዚ ጸቕጢ'ዚ እናሃለወ፡ ወትሩ ስድራቤታት ብምስራሕ ዝበለጸ ውሑስን ዝምጥንን መንበሪ ኣባይቲ ምርካብ ቀዳነምት እንህቦ ጕዳይ'ዩ።"