ኤርትራ-ኣመሪካ፡ 'እገዳ ክለዓልን ዝምድናኣ ክሕደስን' ስትራተጅያዊ ውሳነ

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዓመታት ዝጸዓነቶ እገዳ ከተልዕን ነቲ ዝሕቱል ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአ ዳግም-ከተሐድስን ትንቀሳቐስ ከም ዘላ፡ ማዕከን ሓበሬታ ዎል-ስትሪት-ጆርናል፡ ብ22 ምያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓተታ ኣመልኪቱ።

እቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ኣመሪካ ዝዀነ ጆርናል፡ እታ ሃገር ምስታ "ኣብ ተነጽሎ ዘላ ግን ከኣ ዓሚቝ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ሃገር ኤርትራ" ዝምድናኣ ዳግማይ ከተሐድስ ትደሊ ከም ዘላ፡ ንዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ተወኪሱ ኣብ ዝዘርግሖ ዓንቀጽ እዩ ነዚ ዜና ኣቃሊሑ።

ብመሰረት እቲ ጆርናል፡ መደብ ምልዓል እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ምሕዳስ ዝምድናን ኣብዚ እዋን ዝድርኽ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ንዂናት ኢራን፡ ኣመሪካ-እስራኤል ስዒቡ ዕጽዋ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝፈጠሮ ዞባውን ዓለማውን ቅልውላው እዩ።

ከም ሳዕቤን ናይቲ ኲናት፡ ደገፍቲ ኢራን ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ የመን፡ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ እውን ክዓጽውዎ ምዃኖም ኣብ ዘፈራርሕሉ ዘለዉ እዋን፡ ምስታ ኣብ ስትራተጅያዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ሃገር ዝምድና ምምሕያሽ እዋናዊ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ ምዃኑ እቲ ጽሑፍ ይምጕት።

ዎል-ስትሪት-ጆርናል ከም ዘስፈሮ፡ ነዚ ጉዳይ ዘሳልጥ ዘሎ፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሚስተር ማሳድ ፋረስ ቡሎስ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ምስ ፕረዚደንት ኢስይያስ ኣፈወርቅን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ተራኺቡ ተዘራሪቡ እዩ።

ማሳድ ቡሎስ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝምልከት፡ "ንመዛንኡ ወጻእተኛታት ሰብመዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ'ታ ልዕሊ 700 ማይልስ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ንእሽቶ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኤርትራ፡ ዝጸንሐ እገዳ ከተልዕል ክትጅምር ዕላማ ከም ዘለዋ ኣረጋጊጹ።"

እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ምምሕዳር ትራምፕ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ንፈለማ እዋን ምስታ ሃገር ዝለዓለ ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ እዩ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ምስ ማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ን"ሓድሽ ጽምዶ" ኣስመራን ዋሽንግተንን ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ መግለጺ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ትራምፕ፡ ጽምዶ ተፈቲኑ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ "ኣብቲ ናይ ቀዳማይ ሓደ ዓመት ሰሪሕና፡ ብድሕሪኡ ግን ሰለስተ ዓመት ኣይሰርሐን፣ ባይደን ንኣርባዕተ መጺኡ፡ ተወሲኹዎ ድማ ሸውዓተ ዓመታት ተኸሲሩ፡" ድሕሪ ምባል፡ ሕጂ ግን ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ጽምዶ ክትገብር ድልውቲ ኣላ ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ኣቶ ኢሳይያስ ወሲኹ፡ "ምስዚ ሕጂ ኣብ ዋሽንግቶን ዝርአ ዘሎ ምሕቋን፡ ምስኡ ከይተረበሽና፡ ከይተሃወኽና፡ ናብ መደምደምታታት ከይከድና - ነቲ ኣብ ናይ ባይደን ግዜ ኣቋሪጹ ዝነበረ ጽምዶና ኣሐዲስና ክንቅጽሎ ክንክእል ኣለና፣ ክንቅጽሎ ኢና፡" ኢሉ ነይሩ።

እቲ ምስ ኣመሪካ ዝግበር ጽምዶ ድሕሪ 2026 ክጅምር ምዃኑ ጠቒሱ ምንባሩ እውን ዝዝከር ኰይኑ፡ ዝመጽኣ ዘለዋ ሰለስተ ዓመታት፡ ካብ 2026 ጀሚርካ ክሳዕ 2028 ጽቡቕ ክስራሕ ክኽእል ኣለዎ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ቅድም ስርዑና ኣይንብልን ኢና። እዛ 2025 ንዓና ትጽንሓልና፣ . . . ቀዳምነታት ስለ ዘለዎ።

ነቲ ቀዳምነቶም ከኣ ነኽብሮ። . . . ነተን ዝመጽኣ ሰለስተ ዓመታት ግን ብዘይ ምስልካይ ክንከደን ዘለና እየን፡" ዝበሎ ዝዝከር እዩ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ዓንቀጽ ዎል-ስትሪት-ጆርናል፡ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ዳግማይ ንምብርባር ኣቐዲሙ - ቅድሚ ኲናት ኣመሪካ ኣብ ኢራን - ዝጸንሐ መደብ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

እንተዀነ፡ ቴህራን መጻብቦ ሆርሙዝ ንምዕጻው ድሕሪ ዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ንዝጸንሓ ፖሊሲ ከተቀላጥፍ ከም ዝተደረኸት ኣመልኪቱ።

ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብጥርጣረ፡ ምትፍናንን ስትራተጅያዊ ፍልልይ ዝግለጽ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ክልቲአን ሃገራት ብቕሉዕ ተጻባእቲ'ኳ እንተ ዘይኰና፡ ኤርትራ፡ ንዝጸንሐ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ዘለዋ ዓሚቝ ዘይምትእምማን፡ ብንጹር ዘይግለጽ "ሸርሒታት"፡ ምትእትታውን ካልእን ክትከስስ ትስማዕ።

ብኣንጻሩ ግን ኣብ ቀዳማይ ዘመነ ስልጣን ትራምፕ ሓሓሊፉ ተስፋታት ተራእዩ ነይሩ እዩ።

ኣመሪካ ብወገና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ኢ-ደሞክራስያዊን ኢ-ቅዋማውን ምሕደራን ብተደጋጋሚ ነቐፌታ ከተቕርብ ዝጸንሐት ኰይና፡ ብተራን ኣሳላጥነትን እታ ብኤርትራውያን ብተሪር እትውቀስ ሱዛን ራይስ ድማ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ከም ዝጸዓን ገይራ እያ።

ብመሰረት እቲ ጆርናል እውን፡ ርክባት ኣመሪካን ኤርትራን ዳግማይ ንምብርባር ኣቐዲሙ ክለዓልን ክሰርሓሉን'ኳ እንተ ጸንሐ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ግን "ላዕለዎት ወሃብቲ ውሳነ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ብሰንኪ ቅልውላው ቓዛን ዝሰዓበ ኲናት ኢራንን" ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ጉዳያት ኣመና ብምጽማዶም ተዓናቒፉ እዩ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን ኢራን፡ ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዛ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፍ ንግዳዊ ርክባት በቲኻ ኣብ እትቈጻጸረሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ የመን ዝመደበሮም ደገፍታ ሓይልታት ሑቲ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጕዕዞ መራኽብ ክዓጽዉ ምዃኖም ኣብ ዘፈራርሑሉ ዘለዉ እዋን እዩ እዚ ዲፕሎማስያዊ ድፍኢት ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዝመጽእ ዘሎ።

ልኡኽ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ ማሳድ ቡሎስ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ካይሮ ከም ዝተራኸበን ኣብ ጉዳይ ምሕዳስ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ሰፊሕ ምይይጥ ከም ዘካየደን ዝፍለጥ እዩ።

ዕላማ ናይቲ ርክብ፡ ኣብ ምቅላል እገዳ ኣመሪካ ንምዝታይን ዳግመ-ምትዕርራይ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ኣመልኪቱ ንዝግበር ዝለዓለ ደረጃ ዝርርብ መኽፈቲ ምዃኑ ድማ ይግለጽ።

ብዘይካ'ዚ ቡሎስ ኣቐዲሙ መበል 80 ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኒውዮርክ ኣብ ዝተጋብኣሉ መስከረም 2025 ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ተራኺቡ ጽምዶ ክልቲአን ሃገራት 'ንምሕዳስ ዘኽእል መንገዲ ዝጸርግ' ምዃኑ ዝተገልጸ ርክብ ኣካይዱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣመሪካን ዝምድና ኣብ ምሕዳስ፡ ግብጺ ብመንጐኛነት ትዋሳእ ከም ዘላ ክፍለጥ እንከሎ፡ ማሳድ ቡሎስ፡ ብሰኑይ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ካይሮ ተራኺቡ ኣሎ።

"ኣብቲ ርክብ፡ እቲ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን፡ ሃገሩ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጻዒኑ ዝነበረ እገዳ ኣብ ቀረባ እዋን ከተልዕሎ ክትጅምር መደብ ከም ዘለዋ ንፕረዚደንት ግብጺ ከም ዘረጋገጸሉ፡ ነቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ዘለዎም ገሊጾም፡" ክብል ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ዓንቀጹ ኣስፊሩ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, @Eritrea_UN

ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝምድና ንምሕያል ብወገን እቲ ምምሕዳር ልዑል ድሌት ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።

ገለ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሐ እገዳ ውጽኢት ከም ዘየመዝገበ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋን ግን ነቲ እገዳ ብምልዓል፡ ምስታ ሃገር ዳግማይ ዘተ ንምጅማርን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ነባሪ ረብሓታት ኣመሪካ ምርግጋጽን ኣገዳሲ ምዃኑ ይምጕቱ ኣለዉ።

"መዝገብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ግምት ዝኣቱ'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ኤርትራ ዘላቶ ከባቢ ብስትራተጂያዊ መዳይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡" ኣመሪካ እቲ ዝምድና ሸለል ክትብሎ ከም ዘይግባእ እዮም ዝድምድሙ።

ገለ ወገናት ግን ምስዚ ምኽንያት ከም ዘይሰማምዑ፡ እቲ ዓንቀጽ "ካሜሮን ሃድሰን" ንዝተባህለ ብዓል ስልጣን ስለያን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ኣመሪካ ነበር ጠቒሱ'ሎ።

ካሜሮን "መብዛሕትኡ ግዜ እገዳ ዝለዓል፡ ሓንቲ ሃገር ንዕኡ ዝበቅዕ ርኡይ ስጕምቲ ምስ እትወስድ ጥራይ እዩ፡" ብምባል "ኤርትራ ግን ካብ 1993 ኣትሒዛ ዝተኸለቶ ወተሃደራውነትን ምልካውነትን ሒዛ እያ ትቕጽል ዘላ፤ ስለዚ ኣመሪካ ነዚ እገዳ ብምቅላል እንታይ እያ ክትረብሕ?" ክብል ሕቶ የልዕል።

እዚ ይዅን ግን፡ ሓያለ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ተልዕሎ ዘላ ሕቶ ዝፈጠሮ ወጥሪ ኣብቲ ዞባ ብምጥቃስ፡ "ኣመሪካ ምስ ኤርትራ እትገብሮ ዳግመ-ምትዕርራይ ዝምድና፡ ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ግጭታትን ምትፍንናን ንምፍታሕ እውን ኣገዳሲ ምዃኑ፡" ይምጕቱ።

ኣገዳ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ

ኤርትራ ኣብ 2009 ንዕጡቓት ኣልሸባብ ሶማልያ ትድግፍ እያ ብዝብል ክሲ ብሕቡራት ሃገራት እገዳ ተገይሩላ። ኤርትራ ነዚ ክሲ'ዚ ኣትሪራ ነጺጋቶ።

መርማሪ ጕጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያን ኤርትራን ንዓመታት ድሕሪ ዘካየዶ መርመራ፡ ነቲ ኣብ 2009 ዝተገብረ እገዳ ዝመርሐ - ኤርትራ ንዕጡቓት ኣልሸባብ ትድግፍ እያ - ዝብል ክሲታት ደምዳሚ መርትዖ ከም ዘይረኸበሉ ኣብ ጸብጻቡ ምግላጹ ይፍለጥ።

ንኣመሪካ (ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኦባማ) ንኤርትራ "ብናጻ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ንምቕጻዕ" ዲፕሎማስያዊ ጐስጓስ ኣዋዲዳ ክትብል ድማ ክትከስስ ተሰሚዓ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ መጋቢት 2017 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ባዕላ ማዕቀብ ምንባራ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቘጠዐ'ዩ ነይሩ።

"ንምርድኡ ዘጸግምን ዘይምኽኑይ ተወሳኺ ስጕምቲ... ዘይሃናጺ መሰረት ሕግን ሕጋውነት ዘይብሉ ኣረጊት ጸወታ'ዩ፡" ብምባል'ውን ግብረመልሲ ሂባትሉ።

ብዘይካ'ዚ ኣመሪካ፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበለቶም፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ይዅኑ፡ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ወልቀሰባትን ናይ ቪዛ እገዳ ከም እትገብር ድማ ኣብ ግንቦት 2021 ኣፍሊጣ።

ብተወሳኺ፡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሰነ ዝሓለፈ ዓመት ግብራዊ ዝዀነ፡ "ምስ ሃገራዊ ድሕነት" ብምትእስሳር ምስ ካልኦት 11 ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ምሉእ እገዳ ቪዛ ከም ዘንበረ ኣይርሳዕን።