'ዘይተምልጠሉ መጻወድያ': ብምውላደን ዝጠዓሳ ዘለዋ ኣደታት

ኣደ ምስ ክልተ ደቃ ኣብ ገምገም ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 6 ደቓይቕ

ካርመን ንወዲ ዓሰርተ ዓመት ወዳ ቴኦ ዘለዋ ፍቕሪ ወሰን የብሉን። እንተዀነ ግን ንድሕሪት ክትምለስ እንተትኽእል ነይራ፡ ፈጺማ ኣደ እንተዘይትዀን ምመረጸት።

"ብሰንኪ ኣደነት ጥዕናይ፡ ግዜይ፡ ገንዘበይ፡ ሓይለይን ኣካላተይን ስኢነ" ትብል።

"ዋጋኡ ኣዝዩ ልዑል፡ እቲ ወጻኢታት ድማ ዘልኣለማዊ'ዩ።"

ኣብ 40ታት ዕድመ እትርከብ መምህር ካርመን፡ ኣባል ናይቲ ኣደነት ዘጣዕሰን ሕቡእ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ እያ።

እቲ ጣዕሳ እዚ ሳሕቲ እዩ ብግልጺ ክዝረበሉ ዝስማዕ።

እተን ዘዘራረብኩወን ደቂ ኣንስትዮ እውን፡ ስድራቤተን ስለዘይፈልጡን ከምኡ'ውን ብማሕበረሰብ ሕማቕ ፍርዲ ከይወሃበንን ክብላ፡ ስመን ዘይግለጽ እንተዀይኑ ጥራይ እየን ብዛዕባ እቲ ጣዕሳ ክዛረባ ዝፈቕዳ።

ካርመን ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ሓደ ህዝባዊ መድረኽ፡ ብዛዕባ ወላዲት ምዃና ዘለዋ ጣዕሳ ብተዛማዲ ገሊጻ ነይራ፤ ገለ ሰባት ክድንግጹላ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ "ጨካን" ከምኡ'ውን "ፅይቕቲ" ከምዝዀነት መልሲ ሂቦምዋ።

'ኢፍ ኣይ ሃድ ሌግስ፡ ኣይ'ድ ኪክ ዩ' ዘርእስታ ፊልም፡ ብዛዕባ ኣደነት ከስዕቦ ዝኽእል ጽንኩር-ጸቕጥን መስዋእትን ተመልክት።

['ኢፍ ኣይ ሃድ ሌግስ፡ ኣይ'ድ ኪክ ዩ' ማለት 'እግሪ እንተዝህልወኒ ነይሩ፡ ምረጋሕኹኻ' ንምባል እዩ።]

ኣብዛ ፊልም ሊንዳ ዝተበሃለት ኣደን ቴራፒስትን፡ ምስ ናይ ምምጋብ ጸገም ዘለዋ ጓላ እንትትነብር፡ ዘጋጥማ ስነ-ኣእምሮኣዊ ነውፂ ክትቃለስ ተርእይ።

ገጸ ባህሪ ሊንዳ እትጻወት ተዋሳኢት ሮዝ ባይርን፡ በይና ኮይና ድሌታት ጓላ ንምምላእን ህይወት ስድራቤት ንምዕቃብን ኣብ እትገብሮ ቃልሲ፡ ከም ኣደ ዝፈጥረላ ውሽጣዊ ስምዒት ተነጽር።

ካብ 'ኢፍ ኣይ ሃድ ሌግስ፡ ኣይ'ድ ኪክ ዩ' ዘርእስታ ፊልም ዝተወስደ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Logan White/A24

መግለጺ ስእሊ, ሮዝ ባይርን፡ ከም ገጸ ባህሪ ኣደ ናይታ ናይ ምምጋብ ጸገም ዘለዋ ጓላ ተላቢሳ ተዋሲኣ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካርመን ስምዒታ፡ ምስ ቴማታት ናይታ ፊልም ይመሳሰል።

"ኣደነት ዋላ ኣብ ዘይትደልየሉ እዋን እትገብሮ መወዳእታ ዘይብሉ ስራሕ'ዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ንእሽቶ ውላድ ኣባኻ ዝምርኮስ'ዩ... ክትሃድም ዘይትኽእለሉ መጻወድያ ኰይኑ'ዩ ዝስምዓካ" ትብል።

ኣደ ምዃን ክሳብ ክንደይ "ሃሳዪ" ኰይኑ ከም ዝረኸበቶ ብዘይ ምግናን ብግልጺ ትዛረብ። ብዛዕባ ወዳ ክሓታ ከለኹ ግን ኣብ ድምጻ ዝዀነ ጣዕሚ ኣሎ።

"ቴኦ ምስ ጣዕሳይ ዝዀነ ዘራኽቦ ነገር የብሉን፡ ፍሉይን ምጭውን ወዲ'ዩ፡ ኣዝየ ድማ እፈትዎ" ትብል።

"ብዘይጥርጥር ህይወተይ ምእንታኡ ምሰዋእኹ። ሕያዋይ፡ ምቕሉልን ንፉዕን ተማሃራይ'ዩ።"

ሳይኮቴራፒስት ኣና ማቱር፡ "መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ጣዕሳ ኣደነት ንክዛረባ ውሕስነት እንት ስምዐን፡ እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ስእነት ፍቕሪ ዘይኰነስ፡ ስምዒት ተነጽሎ፡ ድኻም ወይ መንነት ምስኣን'ዩ" ትብል።

ነታ ንነብሳ ከም ደላይት ፍጽምና ገይራ እትሓስብ ካርመን፡ ኣደነት "ንፉዕ ዜጋ፡ ንፉዕን ሕጉስን ሰብ" ናይ ምዕባይ ሓላፍነት'ዩ፤ እዚ ሓላፍነት እዚ ድማ ኣብ መንኵባ ዝወደቐ ከቢድ ሸኽሚ ኰይኑ እያ ረኺባቶ።

ካርመን፡ ቴኦ ምስ ዓበየ፡ ከምቲ ንሳ ዝስምዓ ፈጺሙ ንከይስምዖ ንርእሳ ቃል ኣትያ'ያ።

ንሳ፡ ድሕረ ባይታኣ ድኽነትን ሽቕለት ኣልቦነትን እዩ። "ብዙሕ ዓመጽ" ስለዝነበረ፡ እትፍቀር ኰይኑ ተሰሚዕዋ ኣይፈልጥን።

ኣብ መጀመርታ ኣደነት፡ ስምዒት "ሓጎስ" ፈጢሩላ ከምዝነበረ ካርመን ትዛረብ። ቴኦ ጽቡቕ ግዜ ድቃስ ስለዝነበሮ፡ ኣብ ዕረፍቲ ወሊድ ከላ ንዕሸል ወዳ ክትኣሊ ዘሕለፈቶም መዓልታት የሐጉሳ ነይሩ።

ኣብ ከይዲ ወዳ ገለ ምድንጓያት ምዕባለ ከርኢ ምስ ጀመረን "ነፍሲ ወከፍ ቀሊል ህሞት ናብ ትዕዝብትን ስክፍታን ምስ ተቐየረን" ግን ነገራት ከምዝተለወጡ ትገልጽ።

"ናይ ጥፍኣት ስምዒት ተሰሚዑኒ፡ ህይወቱ ድማ ከቢድ ከይኸውን ተጨኒቐ" ትብል።

ኣብ መወዳእታ፡ ከምቲ ካርመን ዝፈርሐቶ፡ ቴኦ ከቢድ ኵነታት ጥዕና ከምዘለዎ ተፈሊጡ።

ሕጂ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት'ኳ እንተሃለወ፡ እቲ ጸቕጥን ቀጻሊ ጭንቀትን ግን፡ ካልእ ውሽጣዊ ሕማም (ኣውቶኢምዩን ዲዚዝ) ክተማዕብል ከምዝደረኻ ትዘራብ።

ንእሽቶ ወዳ ዝሓቖፈት ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጣዕሳ ኣደነት ምስ ዘይምፍቃርን ሸለልትነት ዝመልኦ ኣተዓባብያን ምትእስሳር፡ ዘይግቡእ ኣተረጓጉማ ምዃኑ፡ እስራኤላዊት ክኢላ ስነ-ማሕበረሰብ ኦርና ዶናት ትገልጽ።

ዶናት፡ 'ጣዕሳ ኣደነት፡ መጽናዕቲ' (Regretting Motherhood: A Study) ዘርእስታ መጽሓፍ እውን ዝደረሰት እያ።

ዶናት ን23 ኣዴታት ቃለ መሕትት ገይራ። ነፍስ ወከፍ ኣደ፡ ኣብ መንጎ ጣዕሳ ኣደነትን ንደቀን ኣብ ዘለወን ስምዒትን ዘሎ ፍልልይ ኣስሚረን። መብዛሕትአን ድማ፡ እቲ ክውንነት ምስቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝነገረን ተረኽ ስለዝፈላለ፡ ኣደ ምዃነን ዝተታለላ ኰይኑ ይስመዐን።

"ውላድ ወሊደ፡ ኣደ ምዃነይ የጣዕሰኒ'ዩ፡ እንተዀነ ግን እቶም ዝወለድክዎም ቆልዑ ኣዝየ እየ ዝፈትዎም... እንተዘይፍጠሩ ዝብል ድሌት የብለየን፡ ኣደ ክኸውን ጥራይ እየ ዘይደሊ" ትብል ሓንቲ ኣደ ክልተ መንእሰያት ዝዀነት ተሳታፊት ናይቲ መጽናዕቲ።

እቲ ዘሎ ውሑድ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ እዚ ስምዒት ዘይልሙድ ኣይኰነን።

ኣብ 2023 ኣብ ፖላንድ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብ 5–14 ሚእታዊት ወለዲ፡ ንምውላድ ብምውሳኖም ከም ዝጣዓሱን፡ ዳግማይ ዕድል እንተዝረኽቡ ዘይምውላድ ከም ዝመርጹን ይሕብር።

ወለዲ ብዛዕባ ጣዕሳኦም ብግልጺ ዘይክዛረቡ ይኽእሉ እዮም፡ እንተዀነ ግን ኣብ ኢንተርነት ምስ ከምኦም ዝበለ ስምዒት ዘለዎ ይራኸቡ ኣለዉ።

ካርመን፡ ኣብ መላእ ዓለም 96 ሽሕ ኣባላት ዘለዉዋ 'I Regret Having Children' (ብምውላደይ እጠዓስ) ብዝብል እትጽዋዕ ጉጅለ ፌስቡክ ምስ ተጸንበረት እያ፡ ኣብዚ ጉዳይ በይና ከምዘይኮነት ዝተገንዘበት።

"ኣደነት ብጥዑም ህሞታት ዝመልአ'ዩ፡ እንተዀነ ግን ነቲ ኣብ ክንድኡ ክረኽቦ ዝኽእል ዝነበረ ናጽነት ኣየካሕሶን'ዩ" ክትብል ሓንቲ ኣባል እታ ጉጅለ ዝዀነት ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ኣደ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ንቢቢሲ ገሊጻ።

"ኣብ ዙርያ ጓለይ ጽቡቕ ጌረ ካልእ ስብእና ይለብስ፤ ንሳ ኣብ እትድቅሰሉን ኣነን በዓል ቤተይን ድማ ሓጻር መስኮት ሓጎስ ኣብ እንረኽበሉን እዋን ግን፡ እቲ ቅኑዕ ስብእናይ ይወጽእ፡ በይነይ ክኸውን ድማ እመርጽ" ትብል።

ቆልዓ ምውላዳ ማለት፡ ቁጠባኻ ይጓድል፡ ኵሉ ዕላማታታን ባህግን - ጉዕዞ፡ ንግዲ ምጥያስን ሓሳባት ወፍሪ ምህናጽን - ንጎኒ ይድፋእ።

"ኣብዛ ዕግርግር ዝበዝሓ ዓለም፡ ጭዋ ወዲ ሰብ ከዕቢ ካብ ምፍታን ሓሊፈ ንዝዀነ ነገር ኵሉ ተገዳስነት ስኢነ ኣለኹ" ክትብል ትውስኽ።

ኣብ ደገ መደቀሲ ክፍሊ ውላዳ ዝተዀርመየት ሓንቲ ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካልእ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እትነብር ኣባል እታ ጉጅለ ድማ፡ ገለ ሰባት ሓንቲ ኣደ ሕጉስቲ እንተዘይኰይና፡ድሕሪ-ሕርሲ ብጭንቀት እትሳቐ እያ ኢሎም ዝህብዎ ግምት "ምንሻው" ኰይኑ ከም ዝስምዓ ትዛረብ።

"ሰባት ከምኡ ኢሎም ክገልጽዎ ይቐሎም - ደቀይ ሕጂ ዓበይቲ እዮም፡ ክሳብ ሕጂ ግን በቲ ክህልወኒ ዝኽእል ዝነበረ ዘይረኸብክዎ ህይወት ይሓዝን።"

"ሕጂ ብዛዕባ ምሕብሓብ መጻኢ ደቂ ደቀይ ይጭነቕ ኣለኹ - እቲ ኣላይነት መወዳእታ የብሉን" ክትብል መጻኢ ስክፍታኣ ትውስኽ።

እታ 'I Regret Having Children' እትብል ጉጅለ ፌስቡክ፡ ኣብ 2007 ዝተመስረተት እያ።

ትሕዝቶኡ ድማ ብቐጥታ ካብ ወለዲ - መብዛሕትኡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ - ዝብርከት እዩ። ዛንታታቶም ብውልቂ መልእኽቲ ዝሰደዱ ኰይኖም፡ ድሕሪኡ ስሞም ከይተገልጸ ኣብቲ ገጽ ይልጠፍ።

ኣካያዲት ናይቲ ጉጅለ ጓል 44 ዓመት ጂያኒና፡ ኣብ ኣሜሪካ እትነብር ሳይንቲስት ቤተ-ፈተነ (ላቦራቶሪ) እያ።

ጂያኒና፡ ብዛዕባ እታ ጉጅለ ክትገልጽ እንከላ፡ "እቲ ዕላማ ወለዲ ንኽሓፍሩ ምግባር ወይ ብዛዕባ ፍሉይ ኣነባብራ ንምድንፋዕ ኰይኑ ኣይፈልጥን" ትብል።

"ዝያዳ ኣብ ቀንዲ ዘተታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቦታ ዘይሃቦም ባህላዊ ተርእዮ ምስናድ'ዩ።"

"ብዙሓት ሰባት ምስቶም ክህልዎም ከምዘይብሎም ዝተነግሮም ስምዒታት ብስቕታ ስለዝቃለሱ፡ እቲ ሕብረተሰብ ዓቢን ንጡፍን'ዩ" ክትብል ትውስኽ።

ጂያኒና ቆልዑ ክትወልድ ዘይትሓስብ ከም ዝነበረትን፡ ኣብቲ ጉጅለ ዝቐርቡ ዛንታታት ምንባብ ድማ ንኸይትወልድ ክትውስን ከምዝጸለዋን ትዛረብ።

መንእሰያት ኣባጽሕ፡ ካብ ዓበይቲ ወለዶታት ኣዝዩ ብዝተፈልየ መንገዲ ክርእዩ ጀሚሮም ከምዘለዉ፡ ኣብ ኣየርላንድ ኣማኻሪትን ሳይኮቴራፒስትን ማርጋሬት ኦኮነር ትገልጽ። ንሳ፡ ሰባት ወለዲ ንክዀኑ ወይ ንኸይዀኑ ንኽውስኑ ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፍ ፍሉይ ሞያ ኣለዋ።

ምውላድ ወይ ዘይምውላድ "ምርጫ ምዃኑ ፅቡቕ ርድኢት ኣሎ" ትብል። "ግድን ብኡንብኡ ክትገብሮ ዘለካ ነገር ኣይኰነን።"

"ናባይ ዝመጹ ኣብ 20ታትን 30ታትን ዕድመኦም ዝርከቡ ሰባት ኣለዉ - ቆልዑ ክወልዱ ከም ዝደልዩ ዝፈልጡ፡ ግን ከኣ ሕጂ'ውን ብዛዕባ እቲ ብድሆታት ብገለ መልክዑ ዝጭነቑ፤ ብዛዕባ'ዚ ንምፍታሽ ድማ ገለ ደገፍ ይደልዩ።"

ተመኩሮ ኩሉ ሰብ ስለዝፈላለ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣደ ክትከውን ብምውሳና ከም እትጣዓስ ከመልክቱ ዝኽእሉ ቀያሕቲ መስመራት ምጥቃስ ኣጸጋሚ እዩ ትብል ኦኮነር።

"ብዛዕባ እዚ ዓቢ ውሳነ ብዝተኻእለ መጠን ርግጸኛ ክንከውንን፡ ካብ ግዳማዊ ጸቕጢ መጻምድቲ፡ ወይ ወለዲ ነጻ ኰይና ብናይ ገዛእ ርእስና ምኽንያት ተደሪኽና ክንውስንን ኣለና" ትብል።

ብተወሳኺ ኵሉ ሰብ ኣብ ምዕባይ ህጻናት ተራ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብቐሊሉ ከይንቕበል ድማ ተጠንቅቕ።

"ብሓፈሻ እንረኽቦ መልእኽቲ፡ 'ኵላትና ነቲ ህጻን ክንሕብሕብ ኢና ኣብዚ ዘለና' ዝብል'ዩ - ሰባት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ከምኡ ኣይገብሩን - ውላድካ/ኪ'ዩ፡ እቲ ሓላፍነት ድማ ናትካ/ኪ እዩ" ትብል።

ኦኮነር፡ ቆልዓ ምዕባይ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ሓላፍነት ዘለዎን ጠለብ ዝደልይን ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ወለዲ ጣዕሳ ክስምዖም ፍጹም ንቡር ምዃኑ ትዛረብ።

ንሳ፡ ሱር ናይቲ ጣዕሳ ንምልላይ ሓኪም ክነማኽር ትላቦ። "ሰብ ኣብ ዘይፈርደና ውሑስ ቦታ" ድማ ብዛዕብኡ ክንዛረብ ትመክር።

ጣዕሳ ኣደነት ኵሉ ግዜ "ብንጹር ወይ ምሉእ ብምሉእ" ዝምለስ ኵነታት ኣይኰነን ትብል ሳይኮቴራፒስት ኣና ማቱር።

"ኣብ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ግን፡ እቶም [ናይ ጣዕሳ] ስምዒታት፡ ምስ ደገፍ፣ እኹል ዕረፍቲ፣ ግዜን ለውጢ ኵነታትን ብዓቢኡ ይንክዩ ወይ ይቕየሩ።"

"ኣብ ካልኦት ግን፡ ባእታታት ናይቲ ስምዒት ብዘየገድስ ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም፡ ብዘይ ሕፍረት ድማ ነቲ ሓቂ ክዝረብ ቦታ ክንፈቅደሉ ኣገዳሲ'ዩ" ትብል።

ሓደ ቆልዓ ምስ ገለ መጻወቲታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኦርና ዶናት ዘካየደቶ መጽናዕቲ እውን፡ ጣዕሳ ኣደነት ኣብ ገሊአን ፈጺሙ ዘይሃስስ ስምዒት ምዃኑ ይሕብር።

"ኵለን እተን ዘዘራረብክወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ጎኒ ጎኒ ጣዕሳአን ዝከኣለን ክገብራ እናጸዓራ ይርከባ" ትብል ዶናት።

"ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ካብ ሓንቲ ኣደነት ዘለዋ ኣደ ደብዳበ መጺኡኒ ነይሩ። ንሳ፡ እቲ ዝሕግዛ ነገር፡ እቲ ስምዒት ሓደ መዓልቲ ክጠፍእ'ዩ ዝብል ተስፋ ስለዘለዋ ኣይኰነን... ኣብ ክንዲ ምቅላስን ከምዘይጠፍእ ኣብ ትርድኣሉ ኵሉ እዋናት ስምዒታ ካብ ዝጉዳእን፡ ነቲ ኵነታት ተቐቢላ ክትነብር ከምእትመርጽ ጽሒፋትለይ።"

ኣብ ጉዳይ ካርመን ክመጽእ እንከሎ፡ እቲ ስምዒት ነባሪ እዩ ዝመስላ፡ "እቲ መስዋእቲ ንዘልኣለም ስለ ዝኾነ" ትብል።

እንተዀነ ንገለ ዓመታት ናብ ቴራፒስት ክትከይድ ጸኒሓ'ያ፡ እዚ ድማ ንነብሳን ብዛዕባ ኣደነት ዘለዋ ስምዒትን ክትቅበል ከም ዝሓገዛ ትዛረብ።

"ድሕሪ ሕጂ መረረት እናተሰመዓኒ ኣይነብርን" ትብል።

ሕጂ ናብ ጂምናዝየም ብምኻድን ምስ ኣዕሩኽታ ብምርኻብን፡ ፍጽምና ንምርካብ እትገብሮ ጻዕሪ ንምንካይ እናፈተነት ትርከብ።

"ኣብ መወዳእታ ሕጂ 'ኣይፋልን፡ ይቕሬታ፡ ደኺሙኒ፡ ብግዜ ክድቅስ እየ። ድራር ዝደለኻዮ ብላዕ፤ ኣቦኻ ኣሎ' ክብል ክኢለ ኣለኹ።"

ከምዚ ክትገብር ከላ ድማ ዓለም ከምዘይትናወጽ ተረዲኣ ኣላ።

"ቴኦ ሰብ ምዃነይ፡ ፍጹም ዘይምዃነይ ተረዲኡ፡ በዚ ድማ ሕማቕ ኣይስምዖን።"

ካርመን ምስ ወዳ ካብ ዘሕለፈቶም ግዜታት፡ ኣብ ኣየናይ ዝያዳ ሕጉስቲ ከምዝነበረት ሓቲተያ።

ቴኦ ቅድሚ ምድቃሱ ኣብ ዘለዋ ኵለን ምሸታት፡ ምስ ወዳ ብሓባር ናብ ዓራት ደይቦም ብዛዕባ ዘሕለፍዎ መዓልቲ የዕልሉ። ቴኦ ኣብ ውሽጢ እቲ ምውቕ ኮቦርታ ኣትዩ፡ ንኣዲኡ ይሓቑፋ።

"ምስ ቴኦ ብሓቂ ርክብ ዝገብረሉን ኣብ ዓለም ኣዝየ ዘፍቅሮ ሰብ ዝርእየሉን ዕድል እዩ" ትብል።