"ሸዊት ብዘይ ፍቓድ ቤትፍርዲ፡ ሲቪል ብዝለበሱ ኣካላት'ዩ ተታሒዙ" ጠበቓ

ምንጪ ስእሊ, Shewit/FB
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ሲቪል ብዝተኸድኑ ኣካላት ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ፡ መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለን ኣባል ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ሸዊት ገብረእግዚኣብሄር: ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ይፍለጥ።
ካብ ጠበቓታቱ ሓደ ዝዀነ ኣቶ የማነ ካሳ፡ ሸዊት ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተውን፡ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበሉ ግን ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንሱ: ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ትማሊ ሰኑይ ዝወዓለ መጋባእያ ብዝምልከት፡ ብመርማሪ ፖሊስ ተጠርጢሩ ዝተኣሰረሉ ምኽንያት "ዘይተፈቐደ ኣጽዋር ብምሓዝን ብምዝውዋርን ከምኡ'ውን ናብ ሓይልታት ጸጥታ ነታጒ ቦምባ ብምፍንጃርን ጉድኣት ክበጽሕ ብምግባርን ብዝብል ክሲ ጥርጣረ ገበን" ከምዝዀነ ሓቢሩ።
ኣቶ የማነ ወሲኹ "ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኣብ መቐለ ቢዝነስ ከባቢ፡ 'ኣቶ ሸዊት ምስ ካልኦት ኰይኑ ሓደ ክላሽን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፈንጂን ሒዞም ክንቀሳቐሱ እንከለዉ፡ ጥቆማ ናይ ሓይልታት ጸጥታ ስለዝቐረበን ሓይልታት ጸጥታ ምስ ቀረብዎም ሓደ ፈንጂ ደርብዮም ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ጉድኣት ክበጽሕ ገይሮም እዮም' ዝብል ክሲ" ካብ ፖሊስ ከምዝቐረበ ገሊጹ።
ብወገን ጠበቓታቱ ዝተወሃበ መከላኸሊ ምላሽ ድማ: "እቲ ገበን ተፈፂሙ ካብ ዝበሃል 20 መዓልታት ዝገበረ" ብምዃኑ፡ ፖሊስ ንተወሳኺ ምጽራይ 14 መዓልታት ምሕታቱ ኣግባብ ከምዘይኰነን ስርሑ ኣጻፊፉ ክመጽእ ከምዘይከኣለን ዘመልክት እዩ ዝብል ምዃኑ፡ ኣቶ የማነ ሓቢሩ።
"ኣብ ልዕሊኡ ብዘይ ቤትፍርዲ ፍቓድ ሲቪል ብዝለበሱ ኣካላት እዮም ተታሒዞም። እዚ ድማ ጌጋ" ከምዝዀነ ጠቒሱ።
"ፖሊስ ንሓደ ተጠርጣሪ ክኣስር ዝኽእል እንተወሓደ ምኽንያታዊ ጥርጣረ ምስ ዝህሉ እዩ። እቶም ዝቐረቡ መረዳእታታት ግን ነዚ ዘረጋግጹ ኣይኰኑን። ስለዚ ነጻ ክወጽእ ኣለዎ" ብዝብል ከምዝተኸራኸሩ ገሊጹ።
እቶም ጠበቓታቱ ብዋሕስ ክፍታሕ ሓቲቶም፡ እቲ ቤት ፍርዲ ግን ከምዘይተቐበሎ እውን ወሲኹ ገሊጹ።
ካብ ፖሊስ ዝቐረበ ሕቶ ተወሳኺ 14 መዓልታት እውን ከምዘይተቐበሎን፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን [ን ሓሙስ] ቆጸራ ተዋሂቡ ከምዘሎ እቲ ጠበቓ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሸዊት ውዳሰ ብዝብል ዝፍለጥ መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለን ኣባል ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ዝኾነ ኣቶ ሸዊት ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣብ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ነቓፊ ርእይቶታት ብምሃብ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ14 ዓርቢ 2026 ኣብ ስሩዕ ናይ ሚድያ ስርሑ እናሃለወ፡ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ይዝከር።
ሸዊት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ 'ሮማናት ኦንላይን' ዝብል ሚድያ ብምኽፋት፡ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ምድላዋት እውን የሰናድእ እዩ።
ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ኣባሉ መምህር ሸዊት ገብረእግዚኣብሄር ኣብ ስርሑ እንከሎ፡ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ፡ ብኣባላት ፖሊስ ከምዝተኣሰረ ብምግላጽ፡ እቲ ተግባር "ኣካል ፖለቲካዊ ቃልስን ሰላማዊ ቓልስን ናይ ምጥፋእ እኩይ ተግባር እዩ" ብምባል ኮኒንዎ።
"እዞም ዕጡቓት ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከይሓዙ፣ ድንገት ካብ ዝነበርሉ ቦታ እዮም ወሲዶምዎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ብፃይናን ኣባልናን ዝተፈፀመ ግፍዓዊ ተግባር፤ ኣካል ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስን ሰላማውያን ተቃለስትን ናይ ምጥፋእ እኩይ ተግባር [እዩ]"።
ቢቢሲ፡ ካብቲ መምህር ሸዊት ናይ ዝተኣሰረሉ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣዛዚ ፖሊስ ምክትል ኢንስፔክተር ገብረክርስቶስ ፋሲል ርእይቶ ንምርካብ ፈቲኑ።
ኢንስፔክተር ገብረክርስቶስ ንቢቢሲ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "እቲ ጉዳይ ብሕጊ ዝተተሓዘን ብሰብ ሙያ ምጽራይን ዝምልከትን እዩ። ንሚድያ ምቕራብ ንከይዲ ምጽራይ ዝህውኽን ኣብ ልዕሊ መርመርቲ ጸቕጢ ዝፈጥርን እዩ. . . ንግዚኡ ንሚድያ እንህቦ መብርሂ የለን" ኢሉ።
ኣብዚ ጉዳይ ቢቢሲ ካብ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ሚካኤል ኣስገዶም ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ሸዊት፡ ካብ ዝእሰር ኣትሒዙ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ ዘዘራርብ ዘሎ ዀይኑ፡ ብህፁፅ ንክፍታሕ ወይ ድማ ጉዳዩ ኣግባብ ብዘለዎ ሕጋዊ መስርሕ ክረአ ፃውዒታት ይቐርብ ኣሎ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


