ኣብ ምዕራብ ሎስ ኣንጀለስ ዝተዘርግሐ ዘሰክፍ ባርዕ ጫካ ብስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Kyle Grillot/Bloomberg via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ባርዕ ጫካ፡ ኣብቲ ብዙሓት ሃብታማት ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ፓስፊክ ፓሊሴድስ እኳ እንተጀመረ፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስን ደረቕ ኵነታትን ቀልጢፉ ክላባዕ ክኢሉ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ብሰሉስ ንግሆ ኣብ ከባቢ ፓሲፊክ ፓሊሳደስ ሎስ ኣንጀለስ ዝጀመረ ባርዕ ጫካ ኣብ መላእ ምዕራብ እታ ከተማ ብዘሰክፍ ናህሪ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ብርቱዕ ንፋስን ኣዝዩ ደረቕ ኵነታትን ነቲ ሃልሃልታ ዝያዳ ክጋደድን ብዘስግእ ፍጥነት ክዝርጋሕን ገይርዎ ይርከብ።

እቲ ባርዕ ሓዊ ካብ ዓሰርተ ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ናብ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ከም ዝተዘርግሐ ይግለጽ።

መጥፋእቲ ሓዊ ምሉእ ለይቲ ምስቲ ሃልሃልታ ክቃለሱ ሓዲሮም ኣለው።

በዚ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክጽለው እንከለው፡ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ መመርሒ ተዋሂቡ ኣሎ።

ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ንምቍጽጻር ኣብ ዝሰርሑሉ ዘለዉ እዋን፡ ጋዜጠኛታት ኣብ መላእ ምዕራብ እታ ከተማ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ብስእሊ ሰኒዶምዎ ኣለው።

ሪፖርተር ሲቢኤስ ጆናታን ቪግሊዮቲ፡ መጥፋእቲ ሓዊ ድሕሪ ደጊም ኣብ ፓሊሳደስ ዝርከቡ ኣባይቲ "ንምድሓን" ዘይኰነ "እዚ ሃልሃልታ ናብ ካልኦት ከባቢታት ከይዘልቕ ንምቍጽጻር'ዮም ዝጽዕሩ ዘለው" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, David Swanson/AFP

መግለጺ ስእሊ, ልዕሊ 80 ኪሎ ሜተር ኣብ ሰዓት ዝሕምበብ ንፋስ ነቲ ሃልሃልታ ኣብ ዘጋድደሉ ዘሎ ዋን፡ ሰፊሕ ከባቢታት እታ ከተማ ብዕምብሮ ትኪ ተሸፊኑ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Ringo Chiu/Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ነቲ ብርቱዕ ንፋስ ዝተሓወሶ ሃልሃልታ ክቈጻጸሩ ይጽዕሩ

ምንጪ ስእሊ, Caroline Brehman/EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣመሓዳሪ ካሊፎርኒያ ጋቪን ኒውሶም፡ ነዚ "ተራእዩ ዘይፈልጥ" ባርዕ ሓዊ ንምቅላስ ልዕሊ 1400 ሰራሕተኛታት ከም ዝተዋፈሩ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Caroline Brehman/EPA

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ሎስ ኣንጀለስ

ምንጪ ስእሊ, Caroline Brehman/EPA

መግለጺ ስእሊ, ልዕሊ 30 ሽሕ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ተነጊርዎም

ምንጪ ስእሊ, David Crane/Los Angeles Daily News

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማሊቡ፡ ከባቢ ገምገም ባሕሪ ፓስፊክ ዝነበሩ ኣባይቲ ዝያዳ በቲ ሃልሃልታ ተጸልዮም

ምንጪ ስእሊ, David Swanson/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሄሊኮፕተራት ኣብ ጐድኒ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ኰይነን ነቲ ኣብ ጐቦታትን ጫካን ዝበዝሖ ከባቢታት ምዕራብ ሎስ ኣንጀለስ ዝተላዕለ ባርዕ ጫካ ከጥፍኣ ይጽዕራ ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, Caroline Brehman/EPA

መግለጺ ስእሊ, እቶም ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ነዚ ሓዊ ንምጥፋእ ልዑል ጻዕሪ ይገብሩ ኣለው