ጽምብል ደመራ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት - ብስእሊ

መግለጺ ስእሊ, ጽምብል ደመራ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት
መግለጺ ስእሊ, በዓል መስቀል ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክርስትናን ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ብድምቀት ተኸቢሩ
መግለጺ ስእሊ, ካብ ዝተፈላለያ ደብርታት ዝመጹ ዘመርቲ መንፈሳዊ መዝሙራት ኣቕሪቦም
መግለጺ ስእሊ, ብመሰረት ትምህርቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣደ ናይ 4ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሃጸይ ሮማ ቆስጠንጢኖስ ቅድስቲ ሄለና፡ ዳሜራ ኣንዲዳ እቲ ትኪ ንኣንፈት እቲ ኣብ እየሩሳሎም ዝተቐበረ መስቀል ተኺኹ ሓቢርዋ ይበሃል

ድሮ በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት

መግለጺ ስእሊ, 'ሰላም ንኹሉ ወዲሰብ' - ወለዲ ዓጋመ

ሎሚ 16 መስከረም 2016 ኣግ ድሮ በዓል መስቀል እዩ። በዓል መስቀል ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ዓጋመን ኢሮብን ብድሙቕ እዩ ዝኽበር። ተወለድቲ ዓጋመ ኣብ ዝነበሩ ነይሮም ኣብ ቅንያት በዓል መስቀል ናብ ዓዶም ይስምለሱ እሞ ምስ ስድራ ቤቶምን መተዓብይቶምን ይጽምብልዎ።

ሎም ዘበን እውን እቲ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ንፈለማ እዋን በዓል መስቀል ብድምቀት ንምኽባር ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝተፈላለዩ ምድላዋት ይካየዱ ኣለዉ።

ወኪል ቢቢሲ ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ከተማ ተንቀሳቒሱ ዝሰነዶም ስእልታት ተኣንገዱ።

መግለጺ ስእሊ, ኣደታት ዓጋመ ጥሕሎን መኹባዕትን ሒዘን
መግለጺ ስእሊ, ጎራዙ ዓጋመ
መግለጺ ስእሊ, ብሄረሰብ ኢሮብ
መግለጺ ስእሊ, ጎራዙ ዓጋመ ዲቦ እንትፃወታ
መግለጺ ስእሊ, ጎራዙ ዓጋመ ግልብጭ እንትቋነና
መግለጺ ስእሊ, ሽግ መስቀል ዝሸጡ ቆልዑ ዓጋመ
መግለጺ ስእሊ, ከተማ ዓዲ ግራት ኣብ ድሮ በዓል መስቀል፡ ኣብ ከባቢ ህንፃ ገዛ ገርላሰ

ሽግ ኣዝዩ ጠቓሚ ኣካል ስነ ስርዓት ጽምብል መስቀል እዩ። ኣቦታትን መንእሰያትን ሽግ ገዚኦም ብምቅጻል

"ዓኾ ዓኾኻይ መስቀል ግዳይ

ትዃን ውጻእ ቁንጪ እቶ

ጸገም ውጻእ ኣዝመራ እቶ" እናበሉ ንስድራቤታትን ጎረባብትን የሳግሩ።

መግለጺ ስእሊ, ሽግ ዝሸጡ ቆልዑ
መግለጺ ስእሊ, ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝካየድ ዘሎ ውድድር ጉያ
መግለጺ ስእሊ, "ጉያ መስቀል ዓጋመ 2016" ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ጉያ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰባት ተሳቲፎም
መግለጺ ስእሊ, ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ኣግኣዚ ምስ ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ኣብ ልምዓት ከባቢኦም ይዝትዩ ኣለዉ