ቤት ፍርዲ፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ካብ ኢንግሊዝ ናብ ፈረንሳ ከይስጐግ ኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ፡ ሓደ ኤርትራዊ ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ብሓይሊ ናብ ፈረንሳ ምምላስ ንሓደጋ ከቃልዖ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ድሕሪ ምልዓሉ፡ ናብ ፈረንሳ ከይምለስ ኣጊዱ።
ብመሰረት ፈረንሳን ብሪጣንያ ኣብ ጥቅምቲ 2025 ዝተሰማምዓኦ፡ "ሓደ ክኣቱ፡ ሓደ ይወጽእ፡" ዝብል ውጥን፡ ሓደ ኤርትራዊ ናብ ፈረንሳ ከም ዝተሰጐገ ይዝከር።
እቲ 'ዮናስ' ብዝብል ክጥቀስ ዝሓተተ መንእሰይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ዝተናውሐ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብሰንኪ እምነቱ ኣደራዕ ከይወርዶ ብምስጋእ ካብ ሃገሩ ክሃድም ከም ዝተገደደ ገሊጹ።
ዮናስ ብቤላሩስ፡ ፖላንድን ፈረንሳን ኣቢሉ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝተጓዕዘ፣ ምስ ካልኦት 71 ሰባት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ ተሰቒሉ ንመትረብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝሰገረን ገሊኦም ምስኡ ዝነበሩ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዕቝባ ከም ዝረኸቡን ተዛሪቡ።
እቲ ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተወ ሓታቲ ዑቕባ ድማ፡ ብመሰረት እቲ ብሕጋዊ መገዲ ንዝመጽእ ሰብ ንምልዋጥ ብሓይሊ ናብ ፈረንሳ ምምላስ ዝብል ኣካታዒ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ናብ ፈረንሳ ክስጐግ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
እቲ ወዲ 31 ዓመት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ምስ ካልኦት ክልተ ዕድሚኦም ዘሰሓሕብን ጉዳዮም ድሒሩ ዝውሰንን ስደተኛታት፡ ፈረንሳ ንግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት እኹል ደገፍ ከም ዘይትህብ ይምጕት ኣሎ።
ንሱ፡ ኣብ ሊብያ ግዳያት ሚሊሻታትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ምዃኑ ብሰበስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝተረጋገጸ ጸብጻብ ዘ-ጋርድያን የመልክት።
እቲ ሓታቲ ዕቝባ ብ12 ነሓሰ 2025 ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተወ ኰይኑ፡ ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ፤ ሕክምና ጥዕና ኣእምሮ፡ ጸቕጥን ጭንቀትን ከም ዘድልዮ ድማ ይግለጽ።
ክሳብ 5 መጋቢት 2026 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 370 ሰባት ብሕጋዊ መገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክመጽኡ እንከለዉ፡ 354 ድማ ናብ ፈረንሳ ተመሊሶም።
እቲ ዕላማ ምስግጋር ንኣሽቱ ጀላቡ ንምዕጋት'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ውጥን ካብ ዝጅመር ግን ኣሽሓት ሓተትቲ ዑቕባ ብመትረብ ኢንግዘዝ ሰጊሮምዎ ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ታሪኻ ዝበዝሐ ቁጽሪ ይግባይ ናይ ሓተትቲ ዕቑባ ተቐቢላ ኣላ።
እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዳርጋ ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ሚኒስትሪ ፍትሒ ብሓሙስ ዘውጽኦ መረዳእታ ይሕብር።
ኣብ መወዳእታ 2025፡ 80 ሽሕን 333 ይግባይ ክረኣዩ ዝጽበዩ ነይሮም፤ እዚ ድማ ካብቲ ብ2024 ዝነበረ 41 ሽሕን 987 ብዝለዓለ መጠን ዝወሰኸ'ዩ።
ማእከላይ ገምጋም ይግባይ ዑቕባ ዝጽበዩሉ ግዜ 63 ሰሙን ኰይኑ፡ ካብቲ ኣብ 2024 ዝነበረ 48 ሰሙናት ዝዛየደ እዩ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ፡ ቁጽሪ ናይቶም ናይ መጀመርታ ውሳነ ዑቕባ ዝጽበዩ ሰባት "ኣብ ትሕቲ እዚ መንግስቲ ብኣስታት 50% ወሪዱ፡" ኢሉ።
ኣሃዛት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ 30,657 ሓተቲ ዑቕባ ውሳነታት እናተጸበዩ ኣብ ሆቴላት ተዓቚቦም ከም ዝነበሩ ይሕብር።
መንግስቲ፡ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ይግባይ ኣብ 2029 ክሳብ ዝዓጽዎ ኣጠቓቕማ ሆቴላት ዑቕባ ንምቁራጽ ዝኣተዎ ቃል ንምፍጻም ዝያዳ ከጸግሞ ከም ዝኽእል ክኢላታት ኣጠንቂቖም።
ክሳብ ታሕሳስ 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት 100,625 ሰባት ዑቕባ ዝሓተቱ ኰይኖም ካብዚኦም እቶም 41% ብንኣሽቱ ጀላቡ ከም ዝመጽኡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተሓትመ ኣሃዛት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ይሕብር።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


