ብዘይወዓሎ ቅትለት ብሞት ክቕጻዕ ዝተፈርደ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Federal Defenders for the Middle District of Alabama
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ከተማ ኣላባማ ብዘይፈጸሞ ገበን ብሞት ክቕጻዕ ዝተፈረደ ሰብኣይ ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ርእይቶ ምስ ሃበ ኣብ ክንዲ ብሞት ብሕልፈት ክቕጻዕ ተወሲኑ ካብ ሞት ድሒኑ።
ወዲ 75 ዓመት ቻርለስ በርተን፡ ኣብ 1991 ድኳን ክዘምት እንከሎ ንሓደ ሰብኣይ ቀቲልካ ተባሂሉ እዩ ብሞት ክቕጻዕ ተበይንሉ። በርተን ግን ኣብ እዋን እቲ ዘጋጠመ ቅትለት ኣብቲ ህንጻ ኣይነበረን።
በርተን፡ ኣብታ መዓልቲ ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ነቲ ድኳን ዘሚቶምዎ እኳ እንተነበሩ፡ ሓደ ካብቶም ካልኦት ጓሓሉ ነቲ ዓሚል ብጥይት ክሃርሞ እንከሎ ካብቲ ህንጻ ወጺኡ ነይሩ።
ሕጊ ኣላባማ ከም ብዙሓት ካልኦት ግዝኣታት ዋላ እውን እቶም ገበነኛታት ንባዕሎም ኣብቲ ቀጥታዊ ቅትለት እንተዘይተሳተፉ ኣካል እቲ መርበብን ቕትለትን እንተኾይኖም ከም ተሓባበርቲ እቲ ገበን ተቖጺሮም ክቕተሉ ይፈቅድ እዩ።
እታ ወላዲኣ ክቕተል እንከሎ ጓል ትሽዓተ ዓመት ዝነበረት ጓል እቲ መዋቲ ቶሪ ባትል፡ ካብቶም ንበርተን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከይወሃቦን ምሕረት ክግበረሉን ዝለመኑ ሰባት እያ።
ንሳ ኣብ ሞንትጎመሪ ኣድቨርታይዘር ኣብ ዝተሓትመ ጽሑፍ፡ "ካብ መንግስቲ ሓደ እኳ ምሳይ ኮፍ ኢሉ፡ ኣላባማ ስለምንታይ ነቲ ንወላዲየይ ዘይቀተለ ሰብ ክትቀትሎ ከም ዘለዋ ዝገለጸለይ የለን። እቲ ነቦይ ዘለኒ ፍቕሪ ብኻልእ ሞት ኣይድበስን እዩ፡ ብፍላይ ድማ ትርጉም ብዘይብሉ ሞት" ክትብል ጽሒፋ።
ብመሰረት ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ምስክርነት፡ ኣብቲ ብ16 ነሓሰ 1991፡ በርተን፡ ደሪክ ደብሩስን ካልኦት ኣርባዕተ ሰባትን ነቲ ኣብ ኣላባማ ዝርከብ ድኳን ክዘምቱ እንከለው ዳግ ባትል ዝተባህለ ዓሚል ናብቲ ድኳን ኣትዩ።
ባትል ምስ ዲብሩስ ከምዝተባእሰን ንሱ ድማ ሕቑኡ ብጥይት ከምዝሃረሞን እዩ ዝንገር።
እቲ ተኹሲ ከጋጥም እንከሎ በርተን ድሮ ካብቲ ድኳን ወጺኡ ብምንባሩ ብኣኽበርቲ ሕጊ ተቐባልነት ረኺቡ። እቲ ሰብ ዝቐተለ ዲብሩስ ንሕልፈት ምስተፈረደ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ሞይቱ።
ኣብ መጀመርታ ናይ ሞት ብይን እኳ እንተተዋህቦ፡ ጠበቓታቱ እኹል ምኽሪ ኣይሃብዎን ተባሂሉ ናብ ሕልፈት ተመሓይሽሉ።
ቻርለስ በርተን ሓሙስ ምሸት ብናይትሮጅን ጋዝ ክቕተል ተመዲቡ እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ንሕልፈት ክቕጻዕ ተበይኑ ኣሎ።
ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸገማት ናይ ስንኩላን ዓረብያ ዝጥቀም በርተን፡ ኣብዚ ሰሙን ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንስድራቤት ባትል ይቕሬታ ሓቲቱ።
"ንማንም ኣይቀተልኩን፡ ሓቂ ይሓይሽ፡ ኣካል ናይቲ ገበን ብምዃን ግን ጌጋ ፈጺመ" ይብል።
እታ ኣብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ጽኑዕ እምነት ዘለዋ፡ ንበርተን ካብ ሞት ዘድሓነቶ ኣመሓዳሪት ኣላባማ ኬይ ኣይቪ "እቲ ጠመንጃ ዝተኮሰ ሰብ ከይተቐትለ፡ ሓደ ካልእ ኣካል እቲ ገበን ዝነበረ ሰብ ክቕተል ፍትሓዊ ኣይኮነን ኢለ እኣምን" ብምባል በርተን ብሞት ክቕጻዕ ሕልናኣ ከምዘይፈቐደላ ገሊጻ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


