ውሳነ ህዝቢ ህዝቢ ዞባ ሲዳማ ብስእሊ

ሎሚመዓልቲ፡ ዞባ ሲዳማ ክልል ዝኾነሉ ወይ ድማ ምስ ክልል ደቡብ ንምጽናሕ፡ ውሳነ-ህዝበ ዘካይደሉ ዕለት እዩ። መረጽቲ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሮም፡ ኣብ ናቑጣታት መረፃ ተረኺቦም ድምጾም ይህቡ ኣለዉ። እዚ መረጻ ክሳብ ምሸት ሰዓት 12 ዝቕፅል እንክኸውን፡ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ሰባት ኣብቲ ውሳነ -ህዝቢ ንምስታፍ ተመዝጊቦም።

መግለጺ ስእሊ, ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ቀዳምነት ተዋሂብዎም እዩ።
መግለጺ ስእሊ, ብኣቆጻጽራ ኢትዯጵያ ናይ ንጉሆ ሰዓት12 ዝጀመረ እዚ ረፈረንደም፡ ናይ ምሸት ሰዓት 12 (ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።
መግለጺ ስእሊ, እቲ ውሳነ-ህዝቢ ብሰላም ይካየድ ከምዘሎን፡ ኣካላት ጸጥታ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘለዉን፡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝርከቡ ሪፖርተራት ቢቢሲ ተዓዚቦም።
መግለጺ ስእሊ, እቲ ህዝበ-ውሳነ ክሳብ ምሸት ሰዓት 12 ኣቆጻጽራ ኢትዯጵያ ክቕጽል እዩ።
መግለጺ ስእሊ, ልዕሊ ክልተ ሚልየን ሰባት ኣብቲ ረፈረንደም ንምስታፍ ተመዝጊቦም።
መግለጺ ስእሊ, ኣድመጽቲ ካብ ኣጋ ወጋሕታ ሰዓት 11፡00 ጀሚሮም ኣብ ናቑጣታት መረፃ ተረኺቦም ድምፂ ምሃብ ከምዝጀመሩ፡ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ሪፖርተራት ቢቢሲ ተዓዚቦም።
መግለጺ ስእሊ, ውፅኢት እቲ ህዝበ-ወሳነ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ዕላዊ ከምዝኸውን፡ ቦርድ መረፃ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
መግለጺ ስእሊ, ሲዳማ ምስ ክልል ደቡብ ክትፀንሕ ዝደልዩ ጎጆ፤ ዞባ ሲዳማ ክልል ንክትኸውን ዝደልዩ ድማ፡ ምልክት 'ሻፌታ' እዮም ዝመርፁ።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ህዝቢ ሲዳማ ሕቶ ክልል ምዃን ከልዕል ምጽንሑ ይዝከር።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ደቡብ ከተማ ሃዋሳ፡ ብዘጋጠመ ጎንፂ፡ ህይወት ሰብ ጠፊኡ፡ ንብረት'ውን ወዲሙ እዩ።
መግለጺ ስእሊ, ሲዳማ ክልል ንክትኸውን፡ ብዋናነት ዝጉስጉስ ጉጅለ መናእሰይ፡ 'ኤጄቶ' ይበሃል።