ትራምፕ ካብ ታሪኽ ኣገዳሲ ትምህርቲ ወሲዱ ዶ?
ምንጪ ስእሊ, BBC/Getty images
ኣመሪካን እስራኤልን ቅድሚ ልዕሊ ወርሒ ኣንጻር ኢራን ዘበገሳኦ ኲናት፡ ውጽኢቱ ዘይተገማቲ ይመስል ኣሎ።
ማዕረ ማዕሪኡ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖ ጽሑፋት፡ ዋላ'ውን ንሓጺር እዋን ይዅን፡ ነቲ ውግእ ዘጋድድን ዓለማዊ ዕዳጋታት ዘናውጽን ይመስል።
ርእይቶ ትራምፕ ግን፡ እቲ እንኮ ንኣንፈት እዚ ኲናት ዝቕልስ ዘሎ ኣይኰነን - ታሪኽ እውን ከምኡ ይመስል።
እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ክኢላታት ነቲ ግጭት ምስ ሕሉፍ ታሪኽ ንምርዳእን - ከምኡ'ውን ናበይ ገጹ ክኸይድ ከም ዝኽእል ንምግማት ክፍትኑ ጸኒሖም ኣለዉ። ሰለስተ ቀንዲ ታሪኻዊ ምዕራፋት ንርአ።
ቅልውላው መትረብ ስወጽ
ምንጪ ስእሊ, Hulton-Deutsch/Hulton-Deutsch Collection/Corbis via Getty Images
ድሕሪ ምጅማር ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ኣብ የመን ዝርከቡ ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሚሳይላት ካብ ዝውንጨፉ ንደሓር፡ ኣብቲ ግጭት ሓድሽ ግንባር ተኸፊቱ ኣሎ።
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ መራኽብ - ብፍላይ ድማ ንመትረብ ስወጽ- ናይ ምጥቃዕ ዓቕሚ ስለ ዘለዎ፡ እቲ ሓያል ወኪል ኢራን፡ ኣብ ቍጠባ ዓለም ዝያዳ ምዝባዕ ከይፈጥር ስግኣት የልዕል።
እቲ ጕጅለ ብጭቡጥ ነቲ 30% ዓለማዊ ትራፊክ ኮንተይነራትን ኣስታት 15% ካብ ጠቕላላ ዓለማዊ ንግዲ ኵሉ ዓይነት ኣቑሑትን ዝጓዓዘሉ ኣገዳሲ መስመር ማይ ክዓጽዎ ኣይክእልን እዩ።
እንተዀነ ናብቲ መትረብ ምብጻሕ ክዕንቅፎ ይኽእል። ክኢላታት ከም ዝብልዎ ድማ፡ እዚ፡ ነቲ ኢራን ኣብቲ ኣገዳሲ መጻብቦ ሆርሙዝ ትፈጥሮ ዘላ ጽልዋ ብድምር፡ ኣብ ዓለማዊ ቍጠባ ዘስዕቦ ጽልዋ ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ነዚ ንምርዳእ ድማ፡ ተንተንቲ፡ ብዛዕባ ዝዓበየ ሳዕቤን ናይዚ ሎሚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምግንዛብ፡ ቅድሚ 70 ዓመት ዘጋጠመ ቅልውላው ስወጽ ይጠቕሱ።
ፕረዚደንት ግብጺ ጋማል ዓብደልናስር፡ ኣብ 1956 ንመትረብ ስውጽ ሃገራዊ ምስ ገበሮ ንሓደ ካብ ቀንዲ መስመራት ነዳዲ ዓለም ተቘጻጺሩ። ከም ግብረ መልሲ ፈረንሳ፡ ብሪጣንያን እስራኤልን ዳግማይ ነቲ መትረብ ክቈጻጸርኦ እኳ እንተፈተና ኣይተዓወታን።
ምንጪ ስእሊ, Hulton-Deutsch Collection/CORBIS/Corbis via Getty Images
ንትራምፕ - ከምኡ'ውን መሓዛኡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ - ታሪኽ ኣብዚ ጉዳይ ገለ ኣስተንትኖታት ክገብሩ ምሓገዞም።
"ልዕሊ ዝዀነ ነገር፡ ብሪጣንያ ኣብ ዓለም ከም ሓያል ሃገር ዝነበረትሉ ግዜ ከም ዘእከለ ዘመልክት እዩ፡" ይብል ተንታኒ ዓለምለኻዊ ፍጻመታት ቢቢሲ ጀረሚ ቦወን።
"ካብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ጀሚሩ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሃጸያዊ ግዝኣት ነይርዋ፤ እዚ ድማ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ኰይኑ።"
ኣብዚ እዋን'ዚ ቴህራን ከምኡ'ውን ሑቲ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ሜላታት - ንዓለምለኻዊ ቍጠባ ኣገደስቲ ዝዀኑ ቍጠባዊ መስመራት ምድራት - መቓልሕ ናይቲ ፕረዚደንት ናስር ዝሃቦ ምላሽ ኣለዎ።
ሓይልታት ኣንግሎ-ፈረንሳ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ መትረብ ስወጽ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን፡ ናሰር ዓሰርተታት መራኽብ ኣጥሒሉ፡ ነቲ መትረብ ዓጽዩ፡ ኤውሮጳ ካብ ወሽመጥ ፋርስ ነዳዲ እትረኽበሉ ቀንዲ መገዲ ከም ዝቘረጾ፡ ኣመሪካዊ ጸሓፊ ታሪኽ ኣልፍሬድ ዳብሊው ማኮይ ይሕብር።
ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ኣመሪካ ድዋይት ዲ ኣይዘንሃወር - ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ምስ ሕብረት ሶቭየት ሓደገኛ ግንባር ክኽፈት ይሻቐል ዝነበረ - እውን ጣልቃ ብምእታው ብሪጣንያን ፈረንሳን ክስሕባ ኣገዲድወን።
"ኣብቲ እዋን'ቲ . . . ብሪጣንያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ተገይሩላ ነበረ፣ ባጤራኣ ይወድቕ ነይሩ፣ ሃጸያዊ ሓይላ ነፊሱ ዓለማዊ ግዝኣታ ናብ ምጥፋእ ኣንፈት ተጓዒዙን ነበረ፡" ክብል ማኮይ ጽሒፉ።
ምንጪ ስእሊ, Smith Collection/Gado/Getty Images
ይዅን እምበር፡ ቦወን እዚ ምስቲ ሕጂ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከም ዘየመሳስሎ ይጠቅስ።
"ሕጂ ኣመሪካ ዘለዋ ሓይሊ ምስቲ ብሪጣንያ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበራ ሓይሊ ኣየነጻጽሮን። ግን ኵለን ሓያላት ሃገራት ይድይባን ይወርዳን እየን። ከምኡ'ውን ኣመሪካ ምልዓል ቻይና ይገጥማ ስለ ዘሎ፡ ኣብ መጻኢ ሰባት ልዕልና ኣመሪካ ውድቀት ይገጥሞ ኣሎ ኢሎም ክጥምቱ እንተጀሚሮም፡ እዚ ጸሓፍቲ ታሪኽ ብዛዕባ ሳዕቤናቱ ብዙሕ ከይተሓስበሉ ዝተኣተወ ኲናት ክብሉዎ ይዀኑ።"
ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ንምርዳእ፡ ታሪኽ ኣብ ውሽጢ 70 ዓመታት ካብኡ ንደሓር ዝሃቦ ተወሳኺ ትምህርቲ ምርኣይ ጠቓሚ እዩ።
ስንባደ ነዳዲ 1973
ኣብ ዝቐጸሉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ዝለዓለ ዕንወት ዘስዓበ ምዕጻው ቀንዲ ቍጠባዊ መስመራት መሊሱ ኣጋጢሙ - ሕጂ'ውን እዚ ተገማቲ እዩ ነይሩ ይብሉ ተንተንቲ።
ሓደ ካብቲ ንጹር ኣብነታት ድሕሪ እቲ ኣዕናዊ ወፍሪ ስወጽ 20 ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ጥራይ እዩ መጺኡ።
"ኣብ 1973 ኣብ መንጐ እስራኤል፡ ግብጽን ሶርያን ኲናት ነይሩ። እዚ ብግብጻውያንን ሶርያውያንን [ኣብ ልዕሊ እስራኤል] ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ እዩ ነይሩ - ኲናት ዮም ኪፑር ዝበሃል። ኣመሪካውያን ድማ ናብ እስራኤል ኣጽዋር ሰዲዶም፡" ይብል ቦወን።
"ድሕሪኡ፡ ሃገራት ዓረብ ንዋጋ ነዳዲ ብሰፊሑ ክውስኽ ዝገበረን ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ብዙሕ ዕንወት ዘስዓበን እገዳ ብምግባር መልሲ ሂበን"።
ኣብቲ እዋን ምኒስተር ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝነበረ ሸኽ ኣሕመድ ዛኪ ያማኒ፡ ከም ነዳዲ ዝኣመሰሉ ጸጋታት፡ ምስቲ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋታት ዘለዎ ጽልዋ፡ ብኸመይ ጸቕጢ መፍጠሪ ክጥቀምሉ ከም ዝኽእሉ ኣብ 1973 ብግልጺ ተዛሪቡ ነይሩ።
ንሱ፡ ሃገራት ዓረብ ኣብ ምፍራይ ነዳዲ ዘለወን ርኡይ ምቍጽጻር "ኣጽዋር ነዳዲ" ክብል ገሊጽዎ፤ እዚ ድማ ንዓለምለኻዊ ቍጠባታት ብቕልጡፍ "ክፈርስ" ክገብር ከም ዝኽእል ገሊጹ።
እቲ እገዳ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እቲ ዝፈጠሮ ጽልዋ ግን ንዓሰርተ ዓመት ከም ዝዘለቐ ክኢላታት ይዛረቡ።
ንኣብነት፡ ኣብ ኣመሪካ - ከምኡ'ውን ኣብተን ኣብ ነዳዲ ዝምርኰሳ ሃገራት - ልዑል ዝቕባበ ዋጋታት ተፈጢሩ፡ ምስኡ ድማ ማእከላይ ባንክታት ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ መነባብሮ ንምግታእ ኣብ ዝቃለሳሉ ዝነበራ እዋን፡ ወለድ ወሲኹ።
ምንጪ ስእሊ, Hulton Archive/Getty Images
ዋላ'ኳ ነዳዲ ከም ሸቐጥ ከምቲ ቅድሚ ልዕሊ 50 ዓመታት ዝነበረ ብዓለም ደረጃ ዓብላሊ እንተዘይኰነ፡ ብጽሒት ዓለማዊ ጠለብ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ትሑት ኰይኑ፡ ሕጂ ወፍሪ ዝያዳ ኣብ ዝተፈላለየ ምንጪታት ጸዓት - ብፍላይ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት - ይኸውን ኣሎ።
ግን ድማ፡ ነዳዲ ሕጂ'ውን ኣገዳሲ ሃብቲ'ዩ፤ ስለዚ ኣብ 1973ን ኪኖኡን ዝተፈጸሙ ፍጻመታት ንትራምፕ ቁልፊ ትምህርቲ ይህቡ።
ኣመሪካ ሕጂ ካብቲ እትጥቀመሉ ጸዓት ንላዕሊ ጸዓት ከተፍሪ እንከላ - ዘይከምቲ ቅድሚ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዝነበረ - ሕጂ'ውን ርኡይ መጠን ዘይተጻረየ ነዳዲ ካብ ወጻኢ እያ ተእቱ።
ስለዚ፡ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ነዳዲ ንዝወጽእ ወጻኢታት ተቓላዕቲ እያ። እዚ ኣብ መወዳእታ ንተጠቀምቲ ኣመሪካ ከቢድ ጽልዋ ከሕድረሎም እዩ።
ከምኡ'ውን፡ እታ ሃገር ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ኤስያ ዝርከባ ወሰንቲ መሻርኽታ - ከምዚ ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ቀረብ ጸዓት ዘይብለንን በዚ ሕጂ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ዝያዳ ዝተጸልወንን ጸቕጢ ክትጽሎ ትኽእል እያ።
"እቲ [ሕጂ] ዝኸውን ዘሎ፡ ስዑዳውያንን ኢማራትን ካልእን ኣብ ኤውሮጳ ንዝርከቡ ዓማዊሎም ነዳዲ ኣይንሸይጥን ኢና ኣይበሉን። ግን ብሰንኪ ኢራንን ሑቲን ናብ ዕዳጋኦም ንኽበጽሑ ኣዝዩ የጸግሞም ኣሎ። ነዳዲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ነቶም ቀረብ እንተቘሪጽካዮም ድማ ብዙሕ ዓለማዊ ምዝንባዕ ትፈጥር፡" ይብል ወቦን።
ኲናት ኢራን-ዒራቕ
ኣብ መንጎ ኢራንን ዒራቕን ዝተኻየደ ንመብዛሕትኡ ክፋል 1980ታት ዝዓብለለ ኲናት፡ ተጻረርቲ ዋሽንግተን ከመይ ጌሮም ኣገደስቲ ቍጠባዊ መስመራት ክዓግቱ ከም ዝኽእሉ ዝሕብር ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮ ምዃኑ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይዛረቡ።
ኣብቲ ዳሕረዋይ መድረኻት ናይቲ ኲናት፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝነበራ መራኽብ፡ ሓይልታት ዓለም ናብቲ ግጭት ንምስሓብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ብቴህራንን ባቕዳድን ዒላማ ይግበር ከም ዝነበረ ተንተንቲ ይዛረቡ።
ካብ መፋርቕ ክሳብ መወዳእታ 1980ታት እቲ መጥቃዕቲ ስለ ዝወሰኸ፡ ኩዌት መራኽባ ብመስመር ማይ ንምጕዓዝ ኣህጉራዊ ሓገዝ ሓቲታ።
ዋሽንግተን ብሞስኮ - ተጻባኢ ዝሑል ኲናት ክትብለጽ ስለ ዘይደለየት ተሰማሚዓ።
ምንጪ ስእሊ, Barry Iverson/Getty Images
ስርሒት 'አርነስት ዊል' ዝተባህለ ዓጀባ መራኽብ ኣብ ሓምለ 1987 ዝጀመረ ኰይኑ፡ ብሪጅተን - ክትከላኸል ዝተሓሰበት መርከብ - ናብ ኩዌት ኣብ እትኸደሉ ዝነበረት እዋን ብነተጕቲ ኢራን ስለ ዝተሃርመት ግን ነዊሕ ከይጸንሐት ንኣመሪካ ዓቢ ሕፍረት ኰይኑዋ።
እቲ ፍጻመ፡ ዓቕሚ ምጽራይ ነተጉቲ ዋሽንግተን ኣብቲ መጻብቦ ክሳብ ክንደይ እኹል ከም ዘይኰነ ዘጉልሕ ምንባሩ ክኢላታት ይዛረቡ።
ሕጂ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ክፉት ንኽኸውን ትራምፕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ካልኦት ሃገራት ደገፍ ንኽግበረሉ ዝገበሮ ጻውዒት ርዱእ እዩ።
እቲ ሎሚ ዘሎ ብድሆ ግን ንዋሽንግተን ዝያዳ ዝዓበየ እዩ ይብሉ ተንተንቲ - መሳርሒታት ኲናት ንኣብነት ድሮን ዘጠቓልል ምዃኑን ድሕሪ ሕጂ ኢራን ምስ ዒራቕ ዝተናውሐ ኲናት ከም ዘይትገብርን ኣብ ግምት ብምእታው።
ታሪኽ ነቶም ኣብዚ ሕጂ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተሳተፉ - ቀንዲ ተዋሳእቲ - ብዙሕ ትምህርቲ ይህብ። ነዚ ትምህርትታት እዚ ክሳብ ክንደይ ልቢ ኢሎም ይሰምዑዎ ዝብል ግን ኣገዳሲ ሕቶ'ዩ፤ ኣብ ኣንፈትን ንውሓት ግዜን ናይቲ ዓለማዊ ናዕቢ ጽልዋ ከሕድር ተኽእሎ ኣሎ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available