ኣምሓራ፡ ዕጡቓት ፋኖ ሰብስልጣን መንግስቲ ከምዝቐተሉ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ጎንደር ገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, Wogeda City Comm.
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ደቡብ ጎንደር፡ ሓይልታት ፋኖ ኣብ ልዕሊ "መኮንናትን መሓውር ፀጥታን" ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ፡ ቁፅሮም ዘይተገልፀ ሰበስልጣን ከምዝተቐትሉ ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።
ቢቢሲ ኣምሓርኛ ዘዘራረቦ ሓደ ምንጪ ካብቲ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ጎንደር፡ ሓለፍቲ ወረዳታት ዝርከብዎም ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም መንግስታዊ ሓለፍቲ ዘጓነፈ መጥቃዕቲ፡ ረቡዕ 09 መጋቢት 2018 ዓ.ም ከምዝተፈፀመ እዩ ተገሊፁ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ርእሰ ከተማ እቲ ዞባ ኣብ ዝዀነት ደብረ ታቦር፡ ትካላት መንግስቲ ዘዕነወ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ዝዝከር እዩ።
ምምሕዳር እቲ ዞባ፡ ብዓርቢ 11 መጋቢት 2018 ኣብ ዝወጸኦ መግለጺ፡ እቶም "ሓይልታት ጥፍኣት" ኢሉ ዝገለጾም ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ኣብ ከባቢ ንፋስ መውጫን ኣብ ከተማ ሓሙሲትን ጐንፂ ኣልዒሎም ምህላዎም ገሊጹ።
እቶም ዕጡቓት ኣብ ወረዳታት፡ ላይ ጋያንት፡ ወገዳን ደራን ከምኡ'ውን ኣብ ክልቲአን ከተማታት፡ "ንሰበስልጣን መንግስትን መሓውራት ጸጥታን ዒላማ ዝገበረ" መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙ ሓቢሩ።
እቶም ዕጡቓት፡ "ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብምትእኽኻብን ብምፅውዋዕን" ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ እቲ ምንጪ ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብታ መዓልቲ፡ ከባቢ ሰዓት 12:00 ናይ ንጐሆ ከም ዝጀመረ ምምሕዳር እቲ ዞባ ዝሃቦ ሓበሬታ የመልክት።
ሓይልታት ምክልኻል ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ ካብ ዝርከቡ ከባቢታት ከምዝተንቀሳቐሱ ዘዘኻኸረ እቲ ምንጪ፡ ኣብኡ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ፡ ሓይሊ በታኒ ኣድማ፡ ፖሊስን ምልሻን ምዃኖም ሓቢሩ።
ሓይልታት ፋኖ፡ ኣብ ወረዳታት "ታች ግያንትን ስማዳን" ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ እቲ ምንጪ ሓቢሩ። ኣብዚ እዋን እቶም ዕጡቓት ናብተን ጽንኵት ሓይሊ ጸጥታ ኣለወን ዝተበሃላ ከተማታት ንፋስ መውጫን ሓሙሲትን ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ጎንደር ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ጀጋኑና 'ንባንዳታትን ከዳዓትን ኣሕሊፍና ኣይንህብነ፤ ህዝብና ገዲፍናዮ ናብ እንኸዶ የለን' ብምባል፡ ማሕላ ሃጸይ ቴዎድሮስ ተቐቢሎም" ይብል።
"እቶም ሰበስልጣን ኣብ ቅድሚ ንህዝቢ ዝኣተውዎ መብጽዓን ክብሮም ሓልዮም'ዮም ሓሊፎም" ክብል ዝውስኽ እቲ መግለፂ፡ ኣብቲ ዞባ ክንደይን ኣብ ኣየናይ ብርኪ ዝርከቡን መራሕቲ ከምዝተቐትሉ ግን ኣይነፀረን።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ምንጪ እቲ ዞባ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሓሙሽተ መራሕቲ ከምዝተቐትሉ ኣፍልጦ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ሓላፊ ወረዳ ደራ ኣቶ እስቲበል ጓዴ፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ውድብ ብልፅግና ወረዳ ደራ ኣቶ ፈንታሁን ድረስ፡ ሓላፊ ፖሊስ እቲ ወረዳን ከምኡ'ውን ኣመሓዳርቲ ወረዳ ስማዳን ከንቲባ ከተማ ሓሙሲትን ካብቶም ከምዝተቐተሉ ዝተጠቕሱ እዮም።
ቢቢሲ ብዛዕባ ቅትለት እዞም ሰበስልጣን ብናጻ ኣካል ኣየረጋገፀን።
ካብ ምምሕዳራት ዞባ ደቡብ ጎንደርን ወረዳን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ድማ ኣይሰመርን።
እቲ ምንጪ ወሲኹ፡ እቶም ናብተን ከተማታት ዝኣተዉ ዕጡቓት፡ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ካብቲ ከባቢ ከምዝወጽኡን ኣባላት ምክልኻል ሓይሊ ናብ ከባቢታት ወረዳ ታች ጋይንት ከምዝተዋፈሩን ሓቢሩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


