ኢብራሂም ትራኦረ፡ ቡርኪናፋሶ ንደሞክራሲ ክትርስዖ ኣለዋ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, TASS via Reuters

መግለጺ ስእሊ, ካፒተን ኢብራሂም ትራኦረ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ከፋፈልትን ሓደገኛታትን'የን ኢሉ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ደሞክራሲ "ቀታሊ'ዩ"፣ ህዝቢ ቡርኪናፋሶ ድማ "ክርስዖ" ኣለዎ ክብል ወተሃደራዊ መራሒ እታ ሃገር ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ ቃለመሕትት ገሊጹ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘ ካፕቴን ኢብራሂም ትራኦረ፡ መብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን ስርዓተ-ደሞክራሲ ከም ዘየድልዮም ድሕሪ ምግላጽ፡ ዝርዝር ከይሃበ ቡርኪናፋሶ'ውን ናይ ገዛእ ርእሳ ንዓኣ ዝኸውን ኣገባብ ኣለዋ ኢሉ።

ትራኦረ ፈለማ ክሳዕ ሓምለ 2024 ኣብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ደሞክራስያዊ ምሕደራ ከምልስ ቃል ኣትዩ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ገደብ ግዜ ናይቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ክውዳእ ክልተ ወርሒ ምስ ተረፎ ግን ንዘበነ ስልጣኑ ብሓሙሽተ ዓመታት ኣናዊሕዎ።

ኣብ ጥሪ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ከም ኣካል ናይቲ "ዳግመ ህንጸት እታ ሃገር" ዝሓንጸጽዎ ውጥን፡ ኣብ ልዕሊ ኵለን ፖለቲካዊ ውድባት እገዳ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጦም ነይሮም።

ትራኦረ ኣብ ናይ ሓሙስ ምሸት ቃለመሕተቱ፡ " ደሞክራሲ ንዓና ዝኸውን ኣይኰነን፣ ሰባት ብዛዕባ ጉዳይ ደሞክራሲ ክርስዕዎ ኣለዎም፡" ኢሉ።

"ንሊብያ ርኣዩ፡ እዚ ንዓና ዝቐረበ ኣብነት'ዩ፡" ይብል እቲ ንነብሱ ከም ሰውራዊ መራሒን ኣንጻር ስነሓሳብ ምዕራብውያንን ሃጸያውያንን ደው ከም ዝበለ ዝገለጽ ወዲ 38 ዓመት መንእሰይ ትራኦረ።

ሊብያ ንልዕሊ 40 ዓመታት ብኮሎነል ሙዓመር ቓዛፊ ብውልቀ ምልኪ'ያ ትመሓደር ነይራ። እንተዀነ ጋዳፊ ንሊብያውያን ብድጎማ መንበሪ ኣባይቲ፡ ናጻ ትምህርትን ናጻ ክንክን ጥዕናን'ውን ይህቦም ነይሩ'ዩ።

ብወተሃደራዊ ምትእትታው ምዕራባውያን ሃገራት ተሓጊዙ ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ከኣ ተታሒዙ ተቐቲሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እታ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር (ሊብያ) ካብ ሽዑ ጀሚራ ምርጫ ከተካይድ ስለ ዘይከኣለት ምስ ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብ መንጎ ክልተ ተቐናቐንቲ ምምሕዳራት ተኸፋፊላ ትርከብ።

ትራኦረ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ "ንሳቶም [ምዕራባውያን ሓይልታት] ኣብ ዓለም ደሞክራሲ ንምትካል ኣብ ዝፈተንሉ ኵሉ ግዜ ብደም ምፍሳስ ዝተሰነየ'ዩ፡" ኢሉ።

ዋላ ደኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝተፈላያ ሃገራት ወተሃደራዊ ዕልዋታት ይገበር'ምበር፡ መብዛሕትአን ሃገራት ዋላ ስርቂ ናይ ድምጺ ይግበሮ'ዩ ተባሂለን እናተነቐፋ ብስሩዕ መረጻታት የካይዳ'የን።

ንኣብነት፡ ኣብ ጋቦንን ጊኒን ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝሓዙ መራሕቲ፡ መረጻ ኣካይዶም ኣብ ክልቲአን ሃገራት ከኣ ተዓዊቶም።

ትራኦረ ብዛዕባ ምፍራስ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዝገለጸሉ'ውን፡ ከፋፈልቲ፡ ሓደገኛታትን ምስቲ ሰውራዊ ለውጢ ዘይቃደዋን ገይሩ ከም ዝቘጽረን ገሊጹ።

"እቲ ሓቂ፡ ፖለቲካ ኣብ ኣፍሪቃ ወይ'ውን እንተ ወሓደ ኣብ ቡርኪናፋሶ ከም ዝተመኰርናሉ፡ እቶም ሓቀኛ ፖለቲከኛታት'ዮም ተባሂሎም ዝግለጹ ሸሓጥቲ፡ ሓሰውቲ፡ ለፍለፍቲ'ዮም፡" ኢሉ።

እቲ መራሒ ጁንታ ዋላ'ኳ ኣማራጺ ስርዓት እንተ ዘየቕረበ፣ "ናይ ገዛእ ርእስና ኣገባባት ኣለና። ንኻልእ ሰብ ክንቀድሕ ኣይንደልይን ኢና፣ ኣብዚ ዘለና ነቲ ዝነበረ ኣገባባት ምሉእ ንምሉእ ንምቕያር'ዩ፡" ኢሉ።

ብባህላውያን መራሕትን መሰረታውያን መሓውራትን ዝቕለስ ኣብ ልዑላውነት፡ ሃገራውነትን ሰውራዊ ምልዕዓልን ዝተሰረተ ሓድሽ ስርዓት ምህናጽ ኣገዳሲ ምዃኑ'ውን ኣስሚሩ።

ኣብቲ ሰፊሕ ቃለመሕተት'ውን ኣገዳስነት ቍጠባውን ወተሃደራውን ርእሰ-ምርኰሳ፡ ከምኡ'ውን ጻዕሪ ኣስሚርሉ፡ ኣብ መዓልቲ ንሽዱሽተ ወይ ሸሞንተ ሰዓታት ምስራሕ ንቡርኪናፋሶ ዝሃብተማ ሃገራት ናብ ዝበጽሐኦ ንኽትበጽሕ ከም ዘየኽእላ'ውን ገሊጹ።

ካፕቴን ኢብራሂም ትራኦረ ኣብ ግዜ ስልጣኑ ተቓውሞ ዓፊኑ፡ ንተቓወምቲ፡ መራኸቢ ብዙሓንን ጕጅለታት ስቪላዊ ማሕበራትን ጨፍሊቑ'ዩ።

መንግስቱ ንነቐፍቱ ናብ ቅድመ ግንባር ኲናት ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ብምልኣኽ ይቐጽዖም ተባሂሉ'ውን ከይተረፈ ይኽሰስ'ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ትራኦረ ብዘለዎ ፓን-ኣፍሪቃዊ ራእይን ኣብ ጽልዋ ምዕራባውያን ብዘስመዕዖ ነቐፌታን ኣብ መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብዙሓት ሰዓብቲ ከጥሪ ክኢሉ'ዩ

ቡርኪናፋሶ ልክዕ ከምተን ብወተደራውያን መራሕቲ ዝምርሓ ጐረባብታ ማሊን ኒጀርን ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዋ ርክባት ዳርጋ በቲኻ'ያ ክበሃል ይክኣል።

ቅድሚ ሕጂ እተን ሃገራት ኣንጻር እቶም ኣብቲ ዞባ ንዓሰርተ ዓመት ዝጸንሐ ናዕቢ ዘካየዱ እስላማውያን ዕጡቓት ንምቅላስ ካብ ፈረንሳ'የን ሓገዝ ዝሓታ ነይረን፣ ሕጂ ግን ምስ ፈረንሳ ብሽርክነት ምስራሕ ኣቋሪጸን'የን።

ሰለስቲኦም መራሕቲ ንወተሃደራዊ ሓገዝ ኣብ ክንዲ ናብ ፈረንሳ ናብ ሩስያ ገጾም'ዮም ኣቕኒዖም፡ እንተዀነ እስላማውያን ዕጡቃት ዝገብርዎ መጥቃዕትታትን ኣይነከየን።

ሂዩማን ራይትስ ዎች (HRW) ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካፕቴን ኢብራሂም ትራኦረ ኣብ 2023 ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ኣብ ቡርኪናፋሶ ልዕሊ 1,800 ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።

ኣብቲ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ክልተ ሲሶ ናይቲ ቅትለት በቲ ብካፕቴን ኢብራሂም ትራኦረ ዝመራሕ ወተሃደራዊ መንግስቲ ቡርኪናፋሶን መሻርኽቱ ዝዀኑ ምሊሻታታን እቲ ዝተረፈ ከኣ በቶም እስላውያን ዕጡቓት ከም ዝተፈጸመ ይገልጽ።