ኤርትራ፡ 'ቀዳማይ' ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ተኸፊቱ

ምንጪ ስእሊ, shabait
"ትንሳኤ ጥበብ ፊልም ኤርትራ" ብዝብል ቴማ ዝተዳለወ ፈስቲቫል ፊልም፡ ቀዳም 21 መጋቢት ኣብ ሲነማ ሮማ - ኣስመራ ተኸፊቱ።
እዚ ቀዳማይ ፈስቲቫል ፊልም ምዃኑ ዝተገልጸ መደብ፡ ብኮምሽን ባህልን ስፖርት ኤርትራ ዝተወደበ ኰይኑ ክሳብ 29 መጋቢት ክጸንሕ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብቲ ዕለት ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ጽንብል፡ እቲ ፈስቲቫል "ክልተ ዓበይቲን ተመላላእትን" ንጥፈታት ከአንግድ ምዃኑ ኮምሽን ባህልን ስፖርት ሓቢሩ።
በዚ መሰረት ኣብቲ ቀዳማይ ንጥፈት፡ "ሃገራዊ፡ ማሕበራዊ፡ ትምህርታዊን ፍቕራውን፡" ትሕዝቶ ዘለወን ልዕሊ 50 ዝተመርጻ መበቈላውያን ፊልምታት ኣብ ኣርባዕተ ኣብያተ ሲነማ - ሮማ፡ ኣዝማራ፡ ኢምፔሮን ሓማሴንን - ንምርኢት ክቐርባ እየን።
እቲ ካልኣይ ንጥፈት ድማ፡ ብክኢላታት መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ዝቐርበሉ መደባት ኰይኑ፡ ታሪኽ ፊልም ኤርትራ፣ ኢንዱስትሪ ፊልም ብደረጃ ዓለም፣ እዋናዊ ኵነታት ኢንዱስትሪ ፊልም ኤርትራ፣ መጻኢ ኵነታት እቲ ኢንዱስትሪ .... ዘተኰሩ ወረቓቕቲ ክቐርቡ ምዃኖም፡ ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲት ኮሚቴ እቲ ፈስቲቫል ኣቶ ሙሃድ ሱሌማን ሓቢሩ።
ኣብቲ መኽፈቲ ስነስርዓት መግለጺ ዝሃበ ኮምሽነር ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ንዕላማን ኣገዳስነትን እቲ ፈስቲቫል ድሕሪ ብምብራህ፡ "ተቐሪቡ ዘሎ ፊልምታት መብዛሕትኡ ፊልምታት ትግርኛ'ኳ እንተዀነ፡ ንዅለን ብሄራት ኤርትራ ዝውክል ሓሓደ ፊልም - ናራ፡ ብሌን፡ ትግራይት፡ ሳሆ፡ ዓፈር፡ ብዳዌት፡ ኩናማ" ክርአ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ መኽፈቲ ዕለት እቲ ፈስቲቫል፡ "ምስጢር ምድረበዳ" ዘርእስታ ፊልም ንምርኢት ቀሪባ።
ትሕዝቶ እዛ ፍሉጥ ተዋስኣይ ፋሲል ተስፋይ ከም ቀንዲ ገጸ ባህሪ ዝዋስኣላ ፊልም ኣብ ሕብረተሰባዊ ብሂላት ብሄረ ዓፈር ዝተመርኮሰት ኰይና፡ ብሓፈሻ "ንጽንዓትን መስዋእትን ህዝቢ" ተንሰባርቕ ተባሂላ እያ እትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Eri-link
እታ ዛንታ፡ ሓደ እዋን ወተሃደራት ኢትዮጵያ ናብ ሓንቲ ዓዲ ብምእታው ኣባይቲ ኣቃጺሎም ህዝቢ ቀቲሎም ምስ ወድኡ፡ ሓንቲ ፋጡማ ዝተባህለት ጐርዞ ተሓቢኣ ትተርፍ። ኣቦኣ - ፋሲል ዝሓዞ ገጸ-ባህሪ - ካብ መገሻ ምስ ተመልሰ ነቲ ኵነታት ተዘንትወሉ። ካብ ዓዶም ኣርሒቘም ድማ ይሃድሙ። ኣብ መንገዶም ግን ጽምኢ ማይ ይስዕሮም። ደቂ እቲ ከባቢ ኰይኖም "ምስጢር እቲ ምድረበዳ" ስለዝፈልጡ ግን ማይ ኣበይ ከም ዝርከብ ኣይጠፍኦምን፤ መሬት ፍሒሮም ድማ ማይ ይሰትዩ። ነታ ዓይኒ ማይ ግን ወተሃደራት ከይረኽቡዋ ደፊኖምዋ መንገዶም ይቕጽሉ። እንተዀነ ብቕድሚኦም ብጽምኢ ማይ ዝተጠቕዐ ጕጅለ ወተሃደር ይጓነፎም እሞ፣ ማይ ዝርከቦ ቦታ ክሕብርዎም ነቦን ጓልን ይሓትዎም።
እቲ ኣቦ ግን 'ኣነ ከቕብጾም ይኽእል እየ፣ ንጓለይ ግን እንተኣገዲዶም እንተ'ኣፈራሪሆም ምንጪ ማይ ኣበይ ከምዘላ ከም እተርእዮም ክገብሩ ይኽእሉ እዮም!' ካብ ዝብል ስክፍታ ሓደ ነገር ይበላሓት።
"ጓለይ ንሻዕብያ ክትነገረለይ ስለ ትኽእል፡ ቅድም ንጓለይ ቅተልዋ፣ ብድሕሪኡ ክነግረኩም፡" ኢሉ ኣቕበጸ። ኣብቲ ምድረበዳ ብጽምኢ ማይ እቶም ወተሃደራት ክሃልቁ እዮም ኢሉ፡ ቅድም ንጓሉ ደሓር ድማ ንነብሱ መስዋእቲ ክኸውን ይዳሎ ማለት እዩ።
ሓደ ወተሃደር ድማ ንጓሉ ክቐትላ ሒዝዋ ኸደ፣ ከም ዝቐተላ ዝእምት ድምጺ ጥይት ከኣ ተሰምዐ። ብድሕሪ'ዚ እቶም ወተሃደራት እታ ማይ ኣበይ ከምዘላ ክነግሮም ይሓትዎ።
እቲ ኣቦ፡ "ንኣኹም ድማ ማይ ክሕብረኩም?! ኵልኹም ኣብዚ ብጽምኢ ማይ ክትኩስተሩ ኢኹም" መለሰሎም።
ፋጡማ ጓሉ፡ ካብቲ ወተሃደር ሃዲማ ንኣቦኣ ትደሃዮ።
ኣቦኣ ሰንበደ'ሞ፡ ብቋንቋ ዓፈር፡ "ፋጡማ ማይ ከይተርእይዮም!" በላ።
ኣዛዚ እታ ጕጅለ ጦር ሰራዊት ብሽጉጥ ይቐትሎ፣ ንፋጡማ እውን ክትሃድም ተኲሱ ይቐትላ። ኣብ መወዳእታ ኵሎም ወተሃደራት ብጽምኢ ማይ ይረግፉ፤ እቲ ሓላፊ'ውን ብሽጉጡ ነብሱ ይቐትል።
ፊልም ኣብ ኤርትራ፡ ብፍላይ ምርኣይን ምስትምቓርን - ካብ እዋን መግዛእቲ ጣልያን ምስ ምህናጽ ኣብያተ ሲነማ ተኣሳሲሩ ነዊሕ ታሪኽ ከም ዘለዎ እዩ ዝንገር።
ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ'ውን ኣብ ሳሕል ሓያለ ድራማዊ ፊልምታት፡ ደኩመንታሪ ፊልምታት ከም ዝፈረያ ይፍለጥ።
ኣብ ድሕሪ ናጽነት'ውን፡ ድራማታት መድረኽ ይዅና ሓጸርቲ ኮሜዲታት፡ ብቪድዮ ቪኤችኤስ እናተሳእላ ይዝርግሓ ነየረን እየን።
እንተዀነ ካብ መጽሓፍ ደሓን ኵኒ እንዳፍራስ ናይ ተመስገን ትኵእ ዝረዓመት "ባሩድ-77" ዘርእስታ ፊልም ከም ፈላሚት ዘመናዊ ፊልም ከም እትውሰድ እዩ ዝዝንቶ።
ካብኡ ንደሓር ኣብ ዝተፈላለየ ጅር ዝመደባ፡ ሓጸርትን ነዋሕትን ከምኡ'ውም ተኸታተልቲ ፊልምታት ቀሪበን እየን።
ደረጃታት ፊልም ንምሕላው፡ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ብዝገበረ ጻዕሪ ድማ፡ ኣብ 2006 ኮሚተ ደረጃታት ፊልም ኤርትራ ብምቛም፡ ፊልምታት ኣብ ኣብያተ ሲነማ ናብ ህዝቢ ቅድሚ ምዝርግሐን፡ ብቕዓተን ብደቂቕ እናተገምገመ ደረጃታት ከምዝወሃበን ተገይሩ ነይሩ።
እዚ ኮሚቴ ክንዮ ደረጃታት ጽሩራ ምሃብ፡ ብሉጻት ፊልምታትን ሰራሕቲ ፊልምን ኣፍልጦ ከም ዝወሃቦም ምግባር፡ ገምጋም ፊልምታት ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብተኸታተሊ ከም ዝሕተምን ካልኦት ከም ዝመሃሩሉን ምግባር፣ ኣብ ዓመታዊ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ምቕራብ፣ ሰሚናራትን ስልጠናታትን ብምውዳብ ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ኣካየድቲ እቲ ኮሚተ ዝነበሩ ይገልጹ።
ምስ ምትእትታው ቻነላት ዩቱብ፡ ኣብ ኣብያተ ሲነማ ዝዝርጋሕ ፊልምታት እናነከየ፡ ፊልምታት ብቐጥታ ኣብ ዩትዩብ ምስቃል እናዓብለለ ኣብ ዝመጻሉ ድማ፡ ምፍራይ ፊልምታት ብፍኑው ክኸይድ ከም ዝጸንሐን፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ጽሬትን ስነጥበባዊን ትሕዝቶኣውን ብቕዓት እቲ ፊልምታት ከም ዝነከየ፡ ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝተገብረ ገምጋማት የመልክት።
እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫልን ዝቐርብ ሰሚናራትን ድማ ንህሉው ደረጃ ፊልምታት እታ ሃገር ብምግምጋም፡ ደረጃኡ ንምምሕያሽ ዘኽእል ኣንፈታት ከቐምጥ ትጽቢት ከም ዝግበር ኣዳለውቲ እቲ ፈስቲቫል ገሊጾም።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


