ቦርድ ሰላም ትራምፕ፡ መን ተጸንቢሩ - ስለ ምንታይከ ኣካታዒ ኰይኑ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ዝተመስረተ ቦርድ ሰላም ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሎሚ ሓሙስ ፈላማይ ወግዓዊ ኣኼባ ንምክያድ ኣብ ዋሽንግተን ክእከብ እዩ።
ኣብቲ ኣኼባ ክንደይ ኣባላት ከም ዝውከሉ ዛጊት ንጹር ኣይኰነን። ክሳብ ሕጂ ኣስታት 24 ሃገራት ናብቲ ብትራምፕ ዝምራሕ ተበግሶ ክጽንበራ ተሰማሚዐን ኣለዋ።
እቲ ኣኼባ ኣብቲ ኣብ ታሕሳስ "ዶናልድ ጄ ትራምፕ ኢንስቲትዩት ሰላም" ተባሂሉ ዝተሰየመ ኢንስቲትዩት ሰላም ኣመሪካ እዩ ክካየድ።
ምምሕዳር ሪፓብሊካን ፕረዚደንት ኣመሪካ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣብ መጀመርታ 2025 ንብዙሓት ኣባላት ቦርድን ሰራሕተኛታትን እቲ ኢንስቲትዩት ከም ዝሰጐጐም ይፍለጥ።
ቦርድ ሰላም ትራምፕ እንታይ'ዩ?
እዚ ተበግሶ ፈለማ ኣብ መወዳእታ መስከረም 2025 ዝቐረበ ኰይኑ፡ ኣካል ናይቲ ትራምፕ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ንምቍራጽን ዳግመ ህንጸት ቓዛ ንምክትታልን ዝሓንጸጾ 20 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም እዩ።
ድሒሩ ድማ ብውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ረኺቡን ጸዲቑን።
ይዅን'ምበር፡ ቻርተር እቲ ቦርድ፡ ንቓዛ ይዅን ግዝኣታት ፍልስጤም ብግልጺ ስለ ዘይጠቐሰ፡ ካብኡ ዝሰፍሐ ዕላማ ክህልዎን ብልሙድ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝፍጸም ዕማማት ክወስድን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ክለዓል ምኽንያት ኰይኑ ይርከብ።
ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ኣብ ዳቮስ ዝተኻየደ ዓለማዊ ጉባኤ ቍጠባ፡ ብ22 ጥሪ ብወግዒ ተጀሚሩ።
በዚ ሕጂ ዘለዎ ኣቃውማ፡ ትራምፕ ናይ ዕድመ ልክዕ ኣቦ መንበር እቲ ቦርድ ኰይኑ ከገልግል እዩ።
እዚ ድማ ሰፊሕ ናይ ውሳነ ስልጣን ይህቦ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነቲ ቦርድ ብቐጻሊ ኣብ ምፍታሕ ግጭታት ዘተኰረ ሓድሽ ኣህጉራዊ ትካል እዩ ይብል።
ትራምፕ ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሶሻል ትሩዝ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ቦርድ ሰላም ኣብ ታሪኽ እቲ ዝበዝሐ ጽልዋ ዘለዎ ኣህጉራዊ ኣካል ምዃኑ ከመስክር'ዩ፤ ኣቦ መንበር ኰይነ ምግልጋል ድማ ንዓይ ክብሪ'ዩ፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣባል ክዀና ዝተሰማምዓ ሃገራት
ዋይት ሃውስ ዕድመ ካብ ዘቕረበለን 60 ሃገራት፡ እስራኤል፡ ቐጠር፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርኪን ግብጽን ዝርከብአን ልዕሊ 20 ሃገራት ክጽንበራ ተሰማሚዐን ኣለዋ።
ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ሓዊሱ ካብተን ዓበይቲ መሓዙት ሃገራት ኣመሪካ ዝተጸንበረት ኤውሮጳዊት ሃገር የላን።
ሓያሎ፡ እቲ ተበግሶ ንልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክምንዝዕ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣለወን። ካልኦት ሃገራት ድማ ዛጊት መልሲ ኣይሃባን።
ትራምፕ ቀወምቲ ኣባላት ንዳግመ ህንጸት ቓዛ ዝተመደበ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ናይ ኣባልነት ክፍሊት ክኸፍሉ ከም ዝሕተቱ ገሊጹ'ዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፉ፡ ኣባል ሃገራት ነታ ብኲናት ዝተሃስየት ቓዛ ዳግማይ ንምህናጽ 5 ቢልዮን ዶላር ቃል ከም ዝኣተዋን፡ ምስኡ ድማ ኣሽሓት ኣባላት ኣብ ኣህጉራዊ ምርግጋእን ሓይሊ ሰራዊትን ናይቲ ግዝኣት ንምውፋይ መብጽዓ ከም ዝኣተዋን ገሊጹ።
ኣየኖት ሃገራት እየን ነዚ ምወላ ወይ ሰራዊት ንምውፋር መብጽዓ ኣትየን ዝብል ግን ኣይገለጸን።
ሰራዊት ኢንዶነዥያ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ከም ኣካል ሰብኣውን ሰላምን ተልእኾ ናብ ቓዛ ንኽውፈሩ ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት 8 ሽሕ ወተሃደራት ድሉዋት ክዀኑ ትጽቢት ይግበር ኢሉ። እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ዝተረጋገጸ ናይ መጀመርታ ትርጉም ዘለዎ ተወፋይነት ሰራዊት እዩ።
ብመሰረት ናብ ኣባላት ሃገራት ዝተዘርግሐን ማዕከን ዜና ሮይተርስ ዝጠቐሶን ወግዓዊ ሰነድ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኮምሽነር ኤውሮጳዊ ማእከላይ ባሕሪ ዱብራቭካ ሱይካ ኣብ ኣኼባ ቦርድ ሰላም ትራምፕ "ከም ተዓዛቢ ክሳተፍ'ዩ።"
እቲ መዘክር ወሲኹ፡ ተልእኾ ደገፍ ፖሊስ ሕብረት ኤውሮጳ "ንሲቪላዊ ፖሊስን ትካላት ገበናዊ ፍትሕን ፍልስጤም ብምስልጣንን ብምዕጣቕን ኣብ ኣህጉራዊ ሓይሊ ምርግጋእ (ISF) ኣበርክቶ ክገብር'ዩ፡" ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ከመይ'ዩ ክሰርሕ?
ጐድኒ ጐድኒ እቲ ቀንዲ ቦርድ ሰላም፡ ክልተ ተወሰኽቲ ኣካላት ቈይሞም ኣለው።
ኣብ ሕመረት ናይቲ መሓውር 'ፋውንዲን ኤክዘኲቲቭ ቦርድ' - መስራቲ ፈጻሚ ቦርድ - ክህሉ ከሎ፡ መባእታዊ ሓላፍነቱ ዲፕሎማሲን ውሳነታት ወፍርን ክኸውን እዩ።
"ፈጻሚ ቦርድ ቓዛ" ን"ሃገራዊ ኮሚተ ምምሕዳር ቓዛ" ይከታተል።
እዚ ኣካል ቴክኖክራት ፍልስጤም ኰይኑ፡ ግዝያዊ መሰጋገሪ ምሕደራን ኣብቲ ወሽመጥ ንዝካየድ ጻዕርታት ዳግመ ህንጸት ናይ ምውህሃድን ሓላፍነት ኣለዎ።
ዋይት ሃውስ ኣባላት "ውጽኢታዊ ምሕደራን ንህዝቢ ቓዛ ሰላም፡ ምርግጋእን ብልጽግናን ዘስጉም ኣገልግሎት ንምሃብ፡" ክሰርሑ ምዃኖም ገሊጹ።
ትራምፕ፡ ኣቦ መንበር ናይቲ 7 ኣባላት ዝሓቘፈ መስራቲ ፈጻሚ ቦርድ ክኸውን እዩ። ኣባላት እቲ ቦርድ ድማ፤
- ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ
- ፍሉይ ልኡኽ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍ
- ሰብኣይ ጓል ትራምፕ ጃረድ ኩሽነር
- ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ሰር ቶኒ ብሌር'ዮም
ቶኒ ብሌር ነቲ ኣብ 2003 ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ዝተፈጸመ ወራር-ኣመሪካ ደጊፉ ተባሂሉ ይኽሰስ። ድሒሩ እዚ ጌጋ ምዃኑ ተገሊጹ'ዩ።
ኣብቲ ቦርድ ግን ፍልስጤማውያን የለዉን።
ቀዋሚ ኣባል ቦርድ ንምዃን ዘድሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ድማ ዓቢይ ሕቶን ክትዕን የልዕል።
ነፍሲ ወከፍ ኣባል "ንምርግጋእ ቓዛ ወሳኒ" ዝዀነ ፖርትፎልዮ ክሕዝ ምዃኑ ዋይት ሃውስ ገሊጹ። ኣብ ክልቲኡ ኣካላት ወከልቲ ፍልስጤም የለዉን።
እዚ ቦርድ ንቓዛ ከሕውያ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዳግመ ህንጸት ቓዛ ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእልን ልዕሊ 70 ቢልዮን ዶላር ክሓትት ከም ዝኽእልን ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳን ባንኪ ዓለምን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘካየዱዎ ገምጋም የመልክት።
ኣብ ቓዛ ኣስታት 80 ሚእታዊት ህንጻታት ከም ዝዓነዉን ወይ ከም ዝተሃስዩን፡ ብገምጋም 61 ሚልዮን ቶን ፍርስራስ ከም ዘስዓበን ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ተመዛበልቲ ስድራቤታት ውሱን መጽለልን ሕጽረት መግብን የጋጥሞም ኣሎ።
እቲ ብ10 ጥቅምቲ ብሸምጋልነት ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝጸንሐ ውግእ ደው ከብል ኣኽኢሉ'ዩ።
በዚ እቲ ዝኸበደ ውግእ ክሃድእ እንከሎ፡ ሓይልታት እስራኤል መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝቐጸሉን ኣብ ጥቓ ወተሃደራዊ ቍጽጽር ዝግበረሎም ዞባታት ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ከም ዝተኰሱን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዳቮስ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምፍርራም፡ ጃረድ ኩሽነር ንቓዛ ዝምልከት "ማስተር ፕላን" ኣቐሚጡ ነይሩ፤ እዚ ድማ ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት፡ ሓደስቲ ከተማታትን ዞባ ገማግም ባሕሪ ቱሪዝምን ዘጠቓለለ እዩ።
ዳግመ ህንጸት ቓዛ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ክወስድ ከም ዝኽእልን ብውሑዱ 25 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ክሓትትን ከም ዝኽእልን ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ቀዳምነት ከም ዝወሃቦን ገሊጹ።
ትራምፕ፡ ሓማስ ዕጥቁ ክፈትሕ ከም ዘለዎ ደጊሙ ገሊጹ።
"ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር፡ ሓማስ ንምሉእን ቅልጡፍን ምውጋድ ወተሃደራዊ ምትእስሳር ዘለዎ ተወፋይነት ክሕሉ ኣለዎ፡" ክብል ኣብ ሶሻል ትሩዝ ጽሒፉ።
ሓማስ ከም ኣካል ናይቲ ሰፊሕ ስምምዕ መንግስቲ ፍልስጤም ንምቛም ጥራይ ዕጥቂ ከም ዝፈትሕ ገሊጹ'ሎ።
ሰራዊታ ንመብዛሕትኡ ክፋል ቓዛ ዝቈጻጸር እስራኤል፡ ሓማስ ዕጥቁ ምስ ዝፈትሕ ጥራይ ከም እትስሕብ ገሊጻ።
እቲ ቦርድ ስለ ምንታይ የካትዕ?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
እቲ ተበግሶ ክሳብ ሕጂ ካብ ሕጋውነት ክሳብ ውክልና ሃጓግ ኣለውዎ ዝብል ርኡይ ነቐፌታታት ይቐርበሉ ኣሎ።
ትራምፕ ነቲ ቦርድ ኣብ መጻኢ ዘይሻራዊ ግጭት ዝፈትሕ ኣካል ምዃኑ ክምጕት ከሎ፡ ሓያሎ መሻርኽቲ ኣመሪካ ግን ንሕቡራት ሃገራትን 15 ኣባላት ዝሓቘፈ ባይቶ ጸጥታን - ነቲ ንኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላምን እገዳን ሓላፍነት ዝስከም ኣካል - ከዳኽም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቘም።
ምምሕዳር ትራምፕ ድሮ ነቲ ኣመሪካ ንሕቡራት ሃገራት እትህቦ ምወላ ኣጉዲሉ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ትራምፕ፡ ሃገሩ ነተን "ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓታት ኣመሪካ ይንቀሳቐሳ ኣለዋ" ዝበለን 31 ትካላት ሕቡራት ሃገራት ክትስሕብ ዝእዝዝ መምርሒ ፈሪሙ ነይሩ።
ሓላፊት ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ፡ እቲ ቦርድ ሰላም ንፍልስጤማውያን ይኹን ንሕቡራት ሃገራት ተሓታትነት ዘይብሉ ውልቃዊ መሳርሒ ትራምፕ እዩ ክትብል ነቒፋ።
ንሳ ኣብ ዋዕላ ጸጥታ ሙኒኽ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንቓዛ ዝምልከት ርእይቶ ፍልስጤም ዘጠቓልልን ነቲ መሬት ብግልጺ ዝጠቐሰን ግዝያዊ ቦርድ ሰላም ምቛም ብሓጐስ ተቐቢሉዎ'ዩ፤ ቻርተር እቲ ቦርድ ግን ነዞም ባእታታት ኣየካተተን፡" ኢላ።
"ስለዚ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ዘሎ ይመስለኒ፣ እቲ ቦርድ ሰላም ግን ነዚ ኣየንጸባርቕን፡" ኢላ።
ፍልስጤማውያን ኣብቲ ፈጻሚ ቦርድ ዘይምህላዎም ካልእ ምንጪ ክትዕ እዩ።
ፍልስጤማዊ ፖለቲከኛ ሙስጣፋ ባርጎቲ ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ "ገለ ኣህጕራዊ ባእታታት ዘለዎ ናይ ኣመሪካ ቦርድ'ዩ ዝመስል፡" ክብል ፍልስጤማውያን "ኣዝዩ ዝሰፍሐ ውክልና" ክህሉ ትጽቢት ከም ዝነበሮ ገሊጹ።
ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ ሰላም ዝጸደቐ ምምሕዳራዊ ጕጅለ ፍልስጤም ተራኡ ንጹር ዘይምዃኑ "ጸገም ዘለዎ" እዩ ኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፈጻሚ ቦርድ ቓዛ ሓደ እስራኤላዊ ኣባል ዝሓቘፈ ኰይኑ፡ ንሱ ድማ ሕጂ ኣብ ቆጵሮስ ዝመደበሩ ቢልዮነር እዩ።
ቐጠርን ቱትኪን ዝኣመሰላ ንኣካይዳ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝነቕፋ ሃገራት ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ምስዳደን - ፖለቲከኛታት እስራኤል ብምሉእ ልቦም ኣይተቐበሉዎን።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ኣቃውማ ፈጸምቲ ቦርድታት "ምስ እስራኤል ዘይተዋሃሃደን ንፖሊሲኣ ዝጻረርን፡" ምዃኑ ገሊጹ።
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ያየር ላፒድ ነቲ ስጒምቲ "ንእስራኤል ዲፕሎማስያዊ ውድቀት" ክብል ገሊጹ።
ሕሉፍ የማናዊ ምኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር ቤን-ግቪር ድማ፡ ቓዛ "ምምሕዳራዊ ኮሚተ" ከም ዘየድልያ፡ ግን ከኣ "ካብ ኣሸባሪ ሓማስ ናጻ ክትወጽእ፡" ኣለዋ ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


