ኢትዮጵያ፡ ዝቐፀለ 'ዓሌታዊ' ግፍዕታት ኣብ ምዕራብ ትግራይ - ሓድሽ ፀብፃብ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣሽሓት ስድራቤታት ካብ መረበተን ተፈናቒለን እየን
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ሰበስልጣንን ሓይልታት ፀጥታን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ምግሃስ መሰላት ይፍጽሙ ከምዘለዉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ።

ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ኣገልግሎት ምርካብ ከቢድ ገደብ ምግባርን ይቕፅል ከምዘሎ እቲ ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ጠቒሱ።

ብሰሉስ 22 ሚያዝያ 2026 ዕላዊ ኣብ ዝግበሮ ፀብፃብ፡ ኲናት ትግራይ ካብ ዘብቅዕ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት'ኳ ኰይኑ እንተሎ፡ ዓሌታዊ ግህሰት ብሰፊሑ ይቕጽል ኣሎ ኢሉ።

ኣብ ምጅማር እዋን ኲናት ትግራይ ጀሚሮም ካብቲ ከባቢ ዝተባረሩ ተጋሩ ሕጂ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ክልል ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት፣ ኣብ ዘስካሕክሕ ኵነታት ከምዝርከቡ ፀብፃባት ይሕብሩ።

እቶም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዀነ ዜጋታት፡ ብፍላይ ምስ ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ ተኣሳሲሩ፡ ናብ መረበቶም ክምለሱ ተስፋ ገይሮም ዝነበሩ ዀይኖም፡ ዛጊድ ግን ኣይተመልሱን።

እቲ ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ኣካል ክልሎም ከምዝኾነ ዝምጕትሉ ከባቢ፡ ካብ እዋን እቲ ኲናት ጀሚሩ፡ ኣብ ትሕቲ እቶም 'ወልቃይት' ኢሎም ዝጽውዕዎን ዕጡቓት ኣምሓራ ኣትዩ ይርከብ።

እቲ ኵነታት ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ፈረምቲ ውዕል ፕሪቶርያ ዝኾኑ ሰብመዚ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ካብ ዘጋደዱ ጉዳያት ምዃኑ ይፍለጥ።

መንግስቲ ፈደራል፡ ቅድሚ ዅሉን ተመዘበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ'ሞ ባዕሎም ብዝመርፅዎ ኣካል ክመሓደሩ ክጠልብ እንከሎ፡ ነቲ ውዕል ዝፈረመ ውድብ ህወሓት ብወገኑ፡ እቲ ከባቢ ጸጥታዊ ውሕስነቱ ዝተሓለወ ከምዘይኰነ ብምምጓት፡ መጀመርታ እቲ ከባቢ ናብ ቅድመ-ኲናት ዝነበሮ ኵነት (ናብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ) ክምለስ ይጠልብ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምክትል ዳይሬክተር ኣፍሪቃ- ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ላቲሽያ ባደር፡ "ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ተጋሩ፡ ኣብ ኵሉ መዳያዊ ህይወቶም ከቢድን ንሰባዊ ክብሪ ዝግህስ ገደባትን የጋጥሞም ኣሎ" ትብል።

"ሰበስልጣን ኢትዮጵያን እቶም መሻርኽቶምን፡ ተጋሩ ብኣድማዒ መንገዲ ካልኣይ ደረጃ ዜጋታት ክዀኑ ዝገብር ኣተሓሕዛ ክቕፅል ኣሚኖም ዝተልዓሉ ይመስሉ" ክትብል'ውን ከሲሳ።

ኣብዚ እዋን፡ ተጋሩ ካብ ከተማታት ወፃኢ ንኽንቀሳቐሱ፡ ካብ ቤት ፅሕፈት ወረዳ ግዝያዊ ፍቓድ ክሕዙ በቶም ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ክልል ኣምሓራ ይግደዱ ኣለዉ።

እንተኾነ፡ ነቲ ፍቓድ ንምርካብ'ውን ኣጸጋሚ ምዃኑን፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ብተለምዶ ንሕክምናዊ ምኽንያት ወይ ንኣረጋውያን ኣባላት ስድራቤት ንምሕጋዝ ጥራይ ከምዝህቡዎምን ኣብ ፀብፃቡ ኣስፊሩ።

እቶም ከምዚ ዓይነት ናይ ምንቅስቓስ ፍቓድ ረኺቦም ከምልጡ ዝኸኣሉ፡ ሕጂ ናብቶም ልዕሊ 740 ሽሕ ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሎም ኣብ ግዝያዊ መዓስከራት ዝርከቡ ይጽንበሩ ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ሕዚ ዝወፅአ ፀብፃብ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ እንተዘየለ'ኳ፡ ኣብ ሚያዝያ 2022 ዝወፅአ ሓበራዊ ፀብፃብ ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሓዊሱ፡ ክስታት ዓሌታዊ ግፍዕታት ክነጽጐ ጸኒሑ'ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኹሎም ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብሕጊ ከምርምር ምዃኑ ቃል ብምእታዉ፡ እቲ ሓበራዊ ፀብፃብ ግን ተቐባልነት ዘይብሉ ክብል ነቒፉ ነይሩ።

"ክልቲኦም ትካላት ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ብዙሓት ፖለቲካዊ ድርኺታት ሓቅነቶም መንግስቲ ኣብ ሕቶ እዩ ዘእቱ" ብምባል፡ ኣብ ጉዳይ ውሽጣዊ ወሰናት ኣትዩ ፍርዲ ምሃቡ'ውን ነቒፉ ነይሩ።

"ከምዚ ዓይነት ጸብጻባት ንፖለቲካዊ ዕላማ ከም ዝውዕል ፍሉጥ እዩ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብቲ መርመራ ግቡእ ትኹረት ከምዘይተገብረሉ ዘርኢ ጥራይ ዘይኮነስ ፍጹም ተቐባልነት የብሉን" ይብል እቲ ኣብቲ እዋን ዝተዋህበ ምላሽ ይጠቅስ።

መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ይዀን ሚድያን መርማሪ ጉጅለን ከይኣቱ ከምዝኽልክል፡ ፀብፃባት ይሕብሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ሰብመዚ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፡ ነቲ ዛጊድ ነባሪ ፍታሕ ዘይረኸበ ዛዕባ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ተመዛበልትን፡ ንረብሓኦም የውዕልዎ ከምዘለዉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብዚ ፀብፃቡ ነቒፉ'ሎ።

እቲ ዓለማዊ ትካል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ 'ዘይሕጋዊ' ምምሕዳር ኣፍሪሱ፡ ኣብ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ናብ ቅድሚ ሕጊ ከቕርብን፣ ክምርምርን ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ዝዀነ ኣቶ ኣሸተ ደምለው፡ ምላሽ ንምርካብ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

ፃውዒት እቲ ፀብፃብ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ተመዛበልቲ ናብ ምዕራብ ትግራይ ክምለሱን፡ ረፈረንደም ክካየድ ከምዘለዎን ዝኣምን እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፀም ግፍዕታት ንምውጋድ ወይ'ውን ኵነታት ምምላስ ተመዛበልቲ ንምምሕያሽ ዝወሰዶ ስጕምቲ የለን - ይብል እቲ ፀብፃብ።

ኣብዚ እዋን ነቲ ከባቢ ዘመሓድሩ ዘለዉ ሰብመዚ፡ እቲ ግዝኣት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኣምሓራ ከም ዝዀነ ኣሜን ኢሎም ዝቕበሉ ተመዛበልቲ ክምለሱ ከም ዝፈቕዱ፡ ብ2020 ኣብ ማይ ካድራ ብዝተፈጸመ ህልቂትን ካልኦት ከበድቲ ገበናትን ዝተኸሰሱ ውልቀሰባት ተሓዊሶም ከይምለሱ ከምዝደልዩን፡ እቲ ሪፖርት ይጠቅስ።

ሓደ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብቲ ከባቢ ዝተሰጐገ ወዲ 37 ዓመት፡ "ህዝቢ ሕጂ'ውን ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብዚ ይመጽእ ኣሎ.... ድሕሪ'ዚ ኵሉ ግዜ ፍታሕ ተጸቢዩ ነይሩ፡ ሕጂ ግን ክጻወሮ ኣይከኣለን። እቶም ከምኡ ዝገብሩ ዝነበሩ፡ ካብ ገዛይ ክወጽእ ዘገደዱኒ ሰባት፡ ሕጂ'ውን ኣብኡ ንኻልኦት የጋፍዑ ኣለዉ።ስለዚ፡ እዞም ውልቀሰባት ገና ነቲ ከባቢ ዘመሓድሩ እንተዀይኖም ውሕስነት ስለዘይስምዓና ክንምለስ ኣይንኽእልን" ከም ዝበሎ ኣብቲ ፀብፃብ ሰፊሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ባዕሉ ፈራሚ ዝዀነሉ - ሕጊ ምምላስ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ - ሕብረት ኣፍሪቃ (ውዕል ካምፓላ) - ከኽብር፡ ከም ሓላፊ ጸጥታን ምክትል ኣመሓዳሪ'ቲ ዞባን ኮ/ል ደመቀ ዘውዱ ሓዊሱ፡ ኣብ ከቢድ ግህሰት ዝተሳተፉ ሰብመዚ ብምእጋድ፣ ብምምርማርን ተሓተትቲ ብምግባርን፡ ንሕጋዊ ምምላስ ተመዛበልቲ ዘለዎ ቆራፅነት ከርኢ - ሂዩማን ራይትስ ዎች ሓቲቱ።

ኣብ 2023 ተመሳሳሊ ክሲ ቀሪብሉ ዝነበረ ኮ/ል ደመቀ፡ ኣብቲ እዋን ብውልቂ "ዘኽስሰኒ ነገር ፈጺመ ኣይብልን" ክብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

"ህዝቢ ወልቃይት ሕቶ መንነቱ ከምልስ ዝጽዕር ዝነበረ፡ ህወሓት ገና ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ኣትሒዙ እዩ" ይብል እቲ ኮሎኔል።

ደመቀ፡ ካብ መስከረም 2008 ጀሚሩ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ካብ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን መልሲ ክወሃቦም ሕቶታቶም ከቕርቡ ከም ዝጸንሑ ይዛረብ።

"ታሪኽናን መንነትናን ምስ ትግራይ ዘይኰነስ ምስ ጎንደር ዝተኣሳሰረ እዩ" ብምባል ሕቶ 'መንነት ኣምሓራ' ንምምላስ ዝዓለመ ሕገ መንግስታዊ ሕቶ ምዃኑ ይገልጽ።

ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብቲ ከባቢ ከም ዝተመዛበሉ፡ ብዙሓት ኣደዳ ሞትን ማእሰርትን ከም ዝዀኑ ዝዝረብ ኰይኑ፡ መንግስቲ ኣመሪካ መጋቢት 2021 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ 'ምጽናት ዓሌት' ተፈጺሙ ምባሉ ዝዝከር እዩ።

እቲ ትካል ሰባዊ መሰላት፡ ኣብዚ ሓድሽ ጸብጻቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ መጐነዪ ስርዓት ብህፁፅ ብምእላይ፡ 'ፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት- ሰብኣዊ መሰላት ውሽጣዊ ተመዛበልቲ' ሓዊሱ፡ ዘይሻራዊ ጕጅለታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ናብቲ ከባቢ ክበፅሑ ክፈቅድ ጸዊዑ'ሎ።

እቲ ትካል ወሲኹ፡ ምስ ኢትዮጵያ ብቕርበት ዝሰርሑ ሃገራትን ትካላት ዓለምለኸን፡ ኣብቲ ከባቢ ብቐፃሊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍፀመሉ ኣብ ዘሎ እዋንን፡ ተሓታትነት ኣብ ዘይሰፈነሉ ኵነታትን፡ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ብውሑስ ኣገባብ ክምለሱ ከም ዘይክእሉ የጠንቅቕ።

ኣብ ልዕሊ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሱ ሰብመዚ ዒላማ ዝገበረ ማዕቀብ ከንበሩ ድማ ይሓትት።

"ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኣህጉራውን ዓለማዊ መሻርኽቶምን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ወጥሪ ጠንቂ ዝኸውን ዘሎ ቅልውላው ምዕራብ ትግራይ ሸለል ምባል ደው ከብሉ ይግባእ" ክትብል ላቲሻ ባደር ብወገና ተማሕጺና ኣላ።