ምስልታት ዓርቢ ስቕለት ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ወጻኢ ሃገራትን

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television/fb

መግለጺ ስእሊ, ስነ ስርዓት ስግደት(ዓርቢ ስቕለት) ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ፅዮን
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣመንቲ ክርስትና፡ ብፍላይ ተኸተልቲ ኦርቶዶክሳዊን ካቶሊካዊን ኣብያተ-ክርስትያን ዓርቢ ስቕለት ብጸሎትን ስግደትን ኣኽቢሮሞ ውዒሎም ኣለዉ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ከተማታትን ናይ ዝነበረ ስነስርዓታት ዘንጸባርቑ ገለ ምስልታት ናይዚ ብወግዒ ጾም-ኣርብዓ ዘብቅዓሉ ክቡር መዓልቲ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፡

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ካብ ዝወዓለ ጸሎትን ስግደትን ኤርትራውያን ካቶሊካውያን
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ዝተኻደ ስግደት ኣመንቲ ኣብ ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television/fb

መግለጺ ስእሊ, ጳጳስ ዝርከቦም ካህናት ኣብ ቅድሚ ትእምርቲ ልብሲ ክርስቶስ ዘንጸባርኽ ክዳን እናጸለዩ

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television/fb

መግለጺ ስእሊ, ትግራይ ኣብ ጸሎትን ስግደትን ዓርቢ ስቕለት

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television

መግለጺ ስእሊ, ቅዱስ ሚካኤል መቐለ ካብ ዝወዓለ ስግደት ብኸፊል

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, እታ ብድሙቕ ጽንብላት ሃይማኖታዊ በዓላት እትፍለጥ ኣዲስ ኣበባ'ውን ዓርቢ ስቕለት ብዕቱብ'ያ ኣሕሊፋቶ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ክላይ-ላይሶ፡ ስግደትን ምህልላን ኣብ ቀንዲ ካቴድራለ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝኾነ ቅዱስ ስላሴ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ምንጪ ስእሊ, Dawit Cheway

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራ፡ ካቶሊካውያን ኣዴታት ኣብቲ ኣብ እዋን ጾም ብማሕበር ኢየሱስ ስቁል ከረን ዝግበር ዓመታዊ ዑደት ፍኖተ መስቀል ካብ ቤ/ክ ላሳለ ጀሚሩ ናብ ደብረ ቅዱስ ሚካኤል እናተሳተፋ

ምንጪ ስእሊ, Dawit Cheway

መግለጺ ስእሊ, እቲ ዑደት ከረን ዝተበገሰሉ ቤተክርስትያን ላሳለ፡ ፍሉጥ እምባ ላልምባ ኣብ ድሕረባይታ ብኸፊል ይርአ

ምንጪ ስእሊ, XIRHA ZION St Mary Eritrean Orthodox Tewahdo Church Glasgow

መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ብሪጣንያ (ግላስጎ) ንቅንያት ሕማማትን ዓርቢ ስቕለትን ብጸሎትን ስግደትን'ዮም ዘሕልፍዎ ዘለዉ

ምንጪ ስእሊ, Fana Broadcasting

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማእከላይ ኢትዮጵያ ንፋሲካ ኣብ ዕዳጋ ዝተቐረባ ደርሁ በላዕተን ይጽበያ

ምንጪ ስእሊ, Fana Broadcasting

መግለጺ ስእሊ, ብኣጋጣሚ በዓል ትንሳኤ ዝዓመረ ዕዳጋ ከብቲ ኢትዮጵያ