ዓመተ 2022 ብስእሊ እንታይ ትመልስ?

እዚኦም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዝሰርሑ ሰኣልቲ፡ ኣብ 2022 ዝስኣልዎም ኣዝዮም ዘደንቝ ዝተሓርዩ ኣሳእል እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Rojan Shrestha/NurPhoto/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እዛ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ኔፓል ኣባል ሕብረተሰብ ኪራት እያ። ኣብ ካትማንዱ ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ሳከላ ባህላዊ ክዳን ተኸዲና ትልሀ ነይራ

ምንጪ ስእሊ, Pedro Vilela / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡብ ምብራቕ ብራዚል፡ ኣስታት 15 ሰባት ዝቐተለ ሓደጋ ውሕጅን ምህማም መሬትን ኣጋጢሙ ነይሩ። ብሰንኪ'ዚ፡ ሩባታት መሊኦም ናብ ከተማታት ብምፍሳሶም ልዕሊ 28 ሽሕ ሰባት ካብ ቤቶም ክወጽኡ ተገዲዶም።

ምንጪ ስእሊ, CARLOS OSORIO / reuters

መግለጺ ስእሊ, ብ17 ለካቲት 2022፡ ኣብ ኦታዋ ጥቓ ባይቶ ካናዳ፡ ብዙሓት ሰባት ኣንጻር ክታበት ኮሮናቫይረስ ተቓውሞ ኣካይዶም።

ምንጪ ስእሊ, Future Publishing / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, በይጂን፡ ጸወታታት ኦሎምፒክ ክረምትን ሓጋይን ከተአንግድ እንከላ፡ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ጸወታታት ኦሎምፒክ ሓጋይ [ዊንተር ኦሎምፒክ] ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ስታዲዩም በርድስ ነስት ተኻይዱ።

ምንጪ ስእሊ, BRIAN SNYDER / Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኮሜዲያን ክሪስ ሮክ፡ ኣብ መድረኽ ሽልማት ሆሊውድ - ኦስካር ብበዓልቲ ቤት ዊል ስሚዝ ጃዳ ፒንከት ስሚዝ ብዘስምዖ ቅይዐ፡ ስሚዝ ብጽፍዒት ሃሪሙዎ። እዚ ክስተት፡ ነቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ዓብሊሉዎ ነይሩ፤ ድሕሪኡ ስሚዝ ዘርኣዮ ባህሪ "ዘይቅቡልን ይቕረ ዘይብሃሎን" ምዃኑ ብምግላጽ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ምንጪ ስእሊ, ROMAN PILIPEY/EPA-EFE

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መወዳእታ ለካቲት፡ ሓይልታት ሩስያ ንጐረቤት ሃገር ዩክረይን ወሪሮም። እዞም ሰላማውያን ሰባት፡ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ኪቭ ካብ እትርከብ ከተማ ኢርፒን ካብቲ ኲናት ንምህዳም ሩባ ዝሰግሩ ዘለዉ'ዮም

ምንጪ ስእሊ, LUIS TATO / AFP

መግለጺ ስእሊ, እዚአን ኣብ ኬንያ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ሳምቡሩ'የን፤ ካብ ባህላዊ ዕንቊታት መጋየጺታት ብምስራሕ ስድራአን ዝሕግዛሉ እቶት ይረኽባ። ኣብ ምምሕዳር ሳምቡሩ ኣብ ዝርከቡ ዕቀባ ሴራ፡ ይነብራ።

ምንጪ ስእሊ, Jeff J Mitchell / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብዚ ዓመት እየን ዓሪፈን። እዘን ኣብ ንግስና ብሪጣንያ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሓ ንግስቲ፡ ኣብ መበል 96 ዓመተን ብ8 መስከረም 2022 ዓሪፈን

ምንጪ ስእሊ, UESLEI MARCELINO / Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ብራዚል ነበር ሉላ ዳሲልቫ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ተወዳዲሩ ተዓዊቱ። ንሱ፡ ምስቲ ሕሉፍ የማናዊ ዝዀነ ጃየር ቦልሶናሮ ተነሓኒሑ፡ 50.9 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ ናብ ስልጣን ተመሊሱ።

ምንጪ ስእሊ, dia images / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢራን ዘለወን ተቓውሞ ንምግላጽ ጸጕረን ቈሪጸን። እዚ ኣብ ኢስታንቡል ዝነበረ ተቓውሞ'ዩ። እዚ ተቓውሞ፡ ኢራናዊት ማሻ ኣሚኒ፡ ኣከዳድና ሒጃብኪ "ዘይግቡእ" እዩ ነይሩ ብዝብል ተኣሲራ እንከላ ድሕሪ ምማታ ዝተላዕለ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, GUY PETERSON / AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሶማልያ፡ ብዙሓት ህጻናት ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ተጠቒዖም'ዮም። እዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ባይደዋ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝነበሩ ህጻናት እዩ። ኣብ ሶማልያ፡ ኬንያን ኢትዮጵያን ብሰንኪ ዘጋጠመ ፍሹል ኣርባዕተ ወቕቲ ዝናብ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ካብ ዘጋጠመ እቲ ዝኸፍአ ደርቂ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, JOSEPH RIMKUS / Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሕዳር፡ ኤጀንሲ ህዋ ኣሜሪካ ናሳ ዝሰርሖ ኣዝዩ ዝሓየለ ሮኬት ኣወንጪፉ። እዚ ኣርተሚስ ሓደ [Artemis 1] ዝብል ስያመ ተዋሂቡዎ

ምንጪ ስእሊ, Shaun Botterill / FIFA / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሊዮነል መሲ፡ ሃገራዊት ጋንታኡ ኣርጀንቲና ኣብ ዋንጫ ዓለም ድሕሪ ዲያጎ ማራዶና ፈላማይ ጽዋዕ ክትወስድ ኣብቂዑ። ማራዶና፡ ብ1986፡ ኣርጀንቲና ናብ ዓወት ኣብ ዘምርሓትሉ ካፕተን እታ ጋንታ ኰይኑ ተጻዊቱ እዩ። ኣብዚ ዓመት፡ ኣርጀንቲና ንመጋጥምታ ፈረንሳ ኣብ ፍጹም ቅላዕ ኣርባዕተ ሸቶታት ብምቝጻር'ያ ስዒራ። እቲ ጸወታ፡ ኣብ መንጐ ወዲ 35 ዓመት መሲን ፈረንሳዊ ኪልያን ምባፐን ዝህሉ ሓያል ንሕንሕ ትጽቢት ዝተገብሮ ነይሩ።