ካብ ስነ-ስርዓት ገዳ ኦሮሞ ክሳብ ፌስቲቫል ሂንዱ፡ ብሉጻት ኣሳእል ኣፍሪቃ

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተረኣዩ ብሉጻት ኣሳእል ነዞም ዝስዕቡ መሪጽናልኩም።

ምንጪ ስእሊ, Tiksa Negeri / Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብሰንበት ኣብ ጥቓ ከተማ ኣረሮ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ሰሙን ዝጸንሐ ወግዓዊ ምስግጋር ስልጣን ስነ-ስርዓት ገዳ

ምንጪ ስእሊ, Brenton Geach / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብሰንበት፡ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ዓመታዊ ዙር ብሽክለታ ኬፕታውን ይሳተፉ

ምንጪ ስእሊ, Marvellous Durowaiye / Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ ኣቡጃ ካብ መላእ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ብሉጻት ተወዳደርቲ ቅልስ ኢኮዋስ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ውድድር ቅልስ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ደቂ ተባዕትዮ ሱዳናውያን ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ቅዱስ ጾም ኣስላም ብዓርቢ ንኢፍጣር ይዳለዉ

ምንጪ ስእሊ, Zohra Bensemra / Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቅድስቲ ከተማ ቱባ ሰኔጋል ካብ ጨንፈር ሕውነት ኣስላም ሞሪድ ዝኾነ ጉጅለ ባየ ፎል ዝመጹ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ሮሞዳን ሃይማኖታዊ ጭርሖታት የቕርቡ

ምንጪ ስእሊ, Donwilson Odhiambo / Getty Image

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ሓደ ጸጉሪ ቀምቃማይ፡ ንፍሉጥ ስእላዊ ስነ-ጥበባዊ ኮስተር ኦጅዋንግ እናቀምቀመ እንከሎ

ምንጪ ስእሊ, Kim Ludbrook / EPA

መግለጺ ስእሊ, ብሰንበት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆሃንስበርግ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ሂንዱ ሆሊ ...

ምንጪ ስእሊ, Rajesh Jantilal / AFP

መግለጺ ስእሊ, እቲ ጽምብል ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣብታ ካብ ህንዲ ወጻኢ ንባዕላ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ህንዳዊ መበቆል ዘለዎም ህዝቢ ዝርከባላ ደርባን ይቕጽል

ምንጪ ስእሊ, Seyllou / AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰኔጋላውያን ኮሜድያናት ኣብታ ኣብ ርእሰ ከተማ ዳካር ብዛዕባ ሓደ ምስ ዓሌቱ ርክብ ዝጠፍኦ መንእሰይ ወዲ ዝምልከት ምርኢት የቕርቡ

ምንጪ ስእሊ, Samba Balde / AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ኔቶስ ደ ባንዲም ዝተባህለ ኣብ ጊኒ-ቢሳው ዝርከብ ባህላዊ ጉጅለ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ዝካየድ ናይ ጎደና ካርኒቫል ብምስታፍ፡ ቅርስታተን የርእያ