ኤርትራ፡ ፍሉጥ ካርቱኒስታ ብንያም 'ኮብራ' ድሕሪ 15 ዓመት ማእሰርቲ ተፈቲሑ

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ኣብ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብቲ ጋዜጣታት ብሕቲ ዓንቢበናሉ ዝነበራ 1997-2001 መድረኽ፡ ፍሉጥ ካርቱኒስታን ቀያዕን ዝነበረ መምህር ቢንያም ሰሎሞን ድሕሪ 15 ዓመታት ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሐ፡ ቤተሰቡን ፈለጥቱን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
እቲ 'ኮብራ' ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ስነጥበበኛ፡ 'እዋናዊ' ዛዕባታት ፖለቲካን ማሕበራዊ ህይወትን ዝትንክፉ፡ ነቐፍትን ኣዘናጋዕትን ኣዝዮም ብዙሓት ካርቱናት ኣፍርዩ።
ነቶም ስራሕቱ ከኣ ኣብ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ደሓር ድማ ኣብ መጽሓፍቲ ጠርኒፉ ከም ዘሕተመ ይፍለጥ።
ብንያም፡ ፈለማ ኣብተን ኣብቲ እዋን ህቡባት ዝነበራ፡ ሰቲት፡ ጽጌናይ፡ ቀስተደበና፡ መቓልሕ፡ ዘመን፡ ኣድማስ... ዝተባህላ ፍሉጣት ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ካርቱናቱ የሕትም ነይሩ።
ደሓር ከኣ፡ ኣብታ ናብ መንግስቲ ቅርበት ከም ዝነበራ እትፍለጥ 'ትርግታ' ዝተባህለት ጋዜጣ ማሕበር መንእሰያትን ተምሃሮን ብቐጻልነት ኣዳላዊ ካርቱን ከም ዝነበረ ፈለጥቱ ይገልጹ።
መምህር ብንያም፡ ብዘይካ'ዚ ስነጥበባዊ ሞያኡ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ደብረጽዮን ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ እውን ኣዝዩ ንፉዕ መምህር ዓውደ-ትምህርቲ ፊዚክስ ከም ዝነበረን፡ 'ረቂቕነት ገዛኢ እዩ' እትብል መጽሓፍ ከም ዘሕተመን እውን ይፍለጥ።
'ኮብራ'፡ "ኣዝዩ ተዛራብን ተጫራቕን" ምንባሩ እውን ዝግለጽ ኰይኑ፡ ምኽንያት መእሰሪኡን ኣበይ ተኣሲሩ ከም ዝነበረን ግን ብወግዒ ዝፍለጥ ኣይጸንሐን።
እንተዀነ ድሕሪ ምፍትሑ፡ ኣብቲ ብ "ወንጀል መርመራ" ዝፍለጥ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ዝርከብ፡ ዳሕረዋይ ክፋል ካልኣይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ሓደ ካብ መቕርቡ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት፡ ብሕጋዊ መንገዲ ክሲ ተመስሪቱሉ፡ ነብሱ ናይ ምክልኻል መሰል ተሓልዩሉ ክከራኸርን ክፍረድን ዝሓለፎ ዝዀነ ይዅን ሕጋዊ መስርሕ ከም ዘይነበረ'ውን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረጋግጽ።
መሰል እሱር ተሓልዩሉ ምስ ስድራኡ ክራኸብ ይዅን ካልእ መሰላት ክሕለወሉ ካብ ዘይምኽኣሉ ብተወሳኺ፤ ኵነታቱን ሃለዋቱን እውን ብወግዒ ይፍለጥ ከም ዘይነበረ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የነጽር።
"ሓሓሊፉ ግን ብስቱር ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ይወጽእ ከም ዝነበረ፡" እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ቤት ማእሰርቲ ወንጀል መርመራ፡ ቍጽሮም ብወግዒ ዘይፍለጥ ኣዝዮም ብዙሓት ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ዘለውዎ፣ ካብቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ፡ ሰፊሕ ገበናት ግህሰት መሰላት ዝፍጸመሉ ዘስካሕክሕ መዳጐኒ ማእከላት ኣብ ኤርትራ ምዃኑ ይንገር።
ኣብዚ መዳጐኒ ማእከል፡ ዓበይቲ ስበስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ገዳይም ተጋደልቲ፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ምሁራት፡ ስነጥበበኛታት -ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን - ን10ታት ዓመታት ተኣሲሮም ከም ዘለዉ፡ ብዝተፈላለየ ትካላት ጥብቅና ሰብኣዊ መሰላት ክሲታት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።
ኣብኡ ዝኣተዉ ሰባት ምስ ዝዀነ ሰብ ከም ዘይራኸቡ፣ ካብ ቤተሰቦም ክዳን፡ መግቢ ይዅን ዘድሊ መድሃኒትን ካልእን ከም ዘይኣትዎም፣ ኵነታቶምን ሃለዋቶምን ብጽንጽንታ ወይ ካብ ዝተፈትሑ ገለ ሰባት፡ ምናልባት ንሕክምና ተባሂሉ እንተወጺኦም ድማ ብምስጢር ካብ ዝረኽብዎም እንተዘይኰይኑ ብዕሊ ኣይፍለጥን።
ብዙሓት'ውን "ብኣካላውን ኣእምሮኣውን ጕድለት ጥዕና" ከም ዝሳቐዩ ክፍለጥ እንከሎ፣ "መን መዓስ ክፍታሕ እዩ?" ግን ዝፈልጥ'ውን የለን።
ብንያም ኮብራ፡ ሓንቲ ኢዱ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሓደጋ ተቘሪጻ፡ ብሓንቲ ኢዱ ከምዝዓዪን ብጕድለት ጥዕና ይሳቐ ከምዝነበረን ምግማት ይከኣል።
ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኮብራ፡ ተመሃራይ ኣብ ዝነበረሉ "ኣዝዩ ውዑይ፡ ህልኸኛን ተቓዋምን" ከምዝነበረን፡ ኣብ ግዜ ደርግ 'ብገለ ምኽንያት' ሓደ ወተሃደር ጥይት ተኲሱ ኢዱ ብሕማቕ ምስ ሃረሞ፡ "ኣብ መወዳእታ ብሕክምና" ከም ዝተቘርጸት መተዓብይቱ የዕልሉ።
ቢቢሲ ንስነጥበበኛ መምህር ብንያም ሰሎሞን 'ኮብራ' ብቐጥታ ረኺቡ ኵነታቱ ክፈልጥ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።
ብወገን መንግስቲ ብዛዕባ ምፍታሕ እዚ ንነዊሕ ዓመታት ዝተኣስረ ፍሉጥ መምህርን ስነጥበበኛን ዛጊት ዝበሎ የለን።
ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ግን መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ክሳብ ንልዕሊ 18 ንዓመታት ዝኣሰሮም፣ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ዜጋታት ይፈትሕ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
እንተዀነ ኣገባብ ማእሰርቲ፡ ኣተሓሕዛ እሱራት፡ እቲ ምፍታሕ'ውን ንባዕሉ ዝዀነ ይዅን ንቡር ሕጋዊ መስርሓት ስለዘይክተል፡ መንግስቲ ብትሪ ይውቀስ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


