ኣስመራ፡ ምድላዋት በዓል ልደት ብስእሊ

መግለጺ ስእሊ, ቤተክርስትያን ኪዳነምህረት ኣብ ዘማዕዱ ጐደና፡ ከባቢ ዕዳጋ ደርሁን ማእከል ሹቕን
ንባብ: 2 ደቓይቕ
መግለጺ ስእሊ, ዕዳጋ ኣሕምልቲ ማእከል ሹቕ - ኣስመራ፤ ኵሉ'ቲ ዘድሊ ኣሕምልቲ መሊኡ ዓማውል ከአንግድ እዩ ውዒሉ
መግለጺ ስእሊ, ካብን ናብን ማእከል ሹቕ ዝኣትዉን ዝወጹን ዓዳጐ ክመላልስዎ ዝወዓሉ ጐደና እዩ
መግለጺ ስእሊ, ውዕሎ ዕዳጋ ጤለ-በጊዕ ከባቢ ማይተመናይ-ፓራዲዞ፤ ሰቢሐን መሸጣን ማሕረድትን ዝጽበያ ኣባጊዕ ባርካ! ክሳብ ዝሽየጣ ዓይኒ ዓዳጐ ከይሃድመን ወዘንን ቍመንአንን ከይጐድል ድማ ዝስተ ማይን ሓሰርን ወትሩ ምስ ተቐረበለን እዩ።
መግለጺ ስእሊ, ከባቢ ዕዳጋ ከብትን ጤለበጊዕን ማይተመናይ-ፓራዲዞ፤ ኣብ ኣፍደገ እቲ ዕድጋ ኰይኖም ጥሪት ዝሸጡ፡ ኣገልግሎት ምጥባሕ ምስካምን ድለላን ሂቦም ስራሕ ዝረኽቡ መንእሰያት፡ ሰብ ላምብሬታን ታክሲን ከምኡ ድማ እቶም ወትሩ ስርዓተ ዕዳጋ ዝከታተሉ ሙንቺብዮ ይረኣዩ።
መግለጺ ስእሊ, ውሽጢ ዕዳጋ ከብቲ ማይተመናይ-ፓራዲዞ፤ 'ናይ ኣሕዋት' ብዝብል ስጋ ጕዚ መውዓል ኣውድኣመት ዝመርጹ ዝበጽሕዎ ክፋል እቲ ዕዳጋ እዩ
መግለጺ ስእሊ, ዕዳጋ ጤለ በጊዕ ከባቢ ቀሓውታ፤ ምስ ምስፋሕ እታ ከተማ እናተለምደ ዝመጸ ንነባሮ ምብራቓውን ደቡባውን ሸነኽ እታ ከተማ ኣማራጺ ዕድጋ ዝፈጥር፡ ኣብ ቅንያት ኣውድኣመት ዝያዳ ዝዕምር ዕዳጋ እዩ።